English

visoin

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ –
ራኢና ንሱሉጥ ዓወት- ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ –
ራኢናን መትከላትናን ንሱሉጥ ዓወት
እዚ ራኢን መትከላትን ዕላማን ዝሓቖፈ ሰነድ ስምረት ኤርትራውያን
መንእሰያት ንለውጢ፡ ኣብ ዋዕላ መንእሰያት ዋሽንግቶን ዲሲ ጕንበት
25 ክሳብ ግንበት 27 (2012) ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ሩሱን ክትዓት ተገይር
ሉ፡ ተኣሪሙ ናይ መወዳእታ ቅርጹ ሒዙ ዝወጸ’ዩ፡፡

 

§§- ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ –
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ብስርዓት ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ
ኣደራዕ፡ ግፍዕን ጭቆናን መዘና የብሉን። ልኡላውነትን ክብርን ሃገርና ውን ብሰንኪ ረሳሕ
ፖሊስታት ህግደፍ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ክወድቕ ኪእሉ ኣሎ። እዚ ኩነት’ዚ በዚ ዘለዎ ናህሪ
እንተቐጺሉ፡ ህላወና ከም ሃገርን ህዝብን ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ’ዩ። መብጽዓ ሰማእታትና
ሓንሳብን ንሓዋሩን ክቕህም’ዩ። ናይዚ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ናይ መንእሰያት ተራ ኣዝዩ
ዕዙዝ’ዩ። ስለዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት ተሰኪምና ኩሉ ካባና ዝጥለብ ነገራት ንምምላእ ተበጊስና
ኣሎና፡፡

ኣብ ልዕሊ’ቶም ንሓያለ ዓመታት ኣንጻር መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክቃለሱ ዝጸንሑ
ፖለቲካውያን ውዱባት፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ዘለና ኣኽብሮትን ኣድናቖቱን
እናገለጽና፣ ንዘለናዮ ወሳኒ መድረኽ ጻውዒት ድሕነት ሃገር ኣለልይና፡ ርጡብን ስሉጥን ለውጢ
ንምምጻእ ተላዒልና ኣለና። ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ ስለዝኾነ ከኣ ንሃገርናን ህዝብናን ካብ
መንጋጋ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ናይ ምድሓን ታሪኻዊ ሓላፍነት ክንጸውር ኢና፡፡

ህሉው ኩነታት ሃገርና ንዕዘቦ ከም ዘለና፡ እቶም ዋሕስ መጻኢ ዕድል ሃገርናን ህዝብናን ክኾኑ
ዝግብኦም መንእሰያት “ካብ ተስፋ ዘይብሉ ህይወት ተስፋ ዘለዎ ሞት” ዝብል ዓቕሊ ጽበታዊ
ጥቕሲ እናመሰሉ ካብ ሕቝፊ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ዘፍቅርዎም ወለድን ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ
ኣለዉ። ኣብ ምድረ-በዳታት ሳሃራ፡ ሲናይ፡ ኣብ መዓሙቕ ማእከላይ ባሕርን መላሲ ኣውያት
ዘይብሎም ዝጠፍኡ ዘለዉ መንእሰያት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ በረኻታት ሲናይ
ከም ጠለ-በጊዕ ተጠቢሖም ናውቲ ኣካላቶም ኣብ ዕዳጋ ይውዕል ከም ዘሎ ውን ወግሐ-ጸብሐ
ንሰምዖ ዘለና ዘስካሕክሕ ዜና ኣሎ። ከም መንእሰያት እዚ ዘሕዝን ፍጻመታት ኣብ ቅድሚ
ዓይንና ክደጋገም እናራኣና፡ ኣእምሮና ዝርብሹ ዘሕዝን ዜናታት እናሰማዕና ኣእዳውና ኣጣሚርና
ክንርኤ ኤርትራዊ ሕልናና ኣየፍቅደልናን’ዩ። ፈተውቲ ሃገርናን ህዝብናን ስለዝኾና ንጠንቂ
ዕንወት ሃገርናን ህዝብናን ዝኸውን ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ሓንሳብን ንሓዋርን ናይ ምቅባጽ
ከም ቀዳማይ ዕማም ሒዝናዮ ኣለና። ደጊም በቃ ይኣክል ኢልና ቖሪጽና ተላዒልና ኣለና፡
ዝተረፍኩም ክትስዕቡና ድማ ናይ ወርትግ ምንዮትና’ዩ።

 

መእተዊ

ገጽ 
ድሕረ-ባይታ
እዚ ናይ ሕጂ መንእሰይ ወይ’ውን ሓድሽ ወለዶ ኢልና እንጽውዖ ኤርትራዊ ዜጋ አብ ዘመን ቃልሲ ዝተወልደ ወይ’ውን ዝዓበየ እዩ። ተቓሊስካ ከምእትዕወት ድማ ልዕሊኡ ዝፈልጦ የለን እንተበልና ዝተጋነነ አይኮነን። የግዳስ ናብራ ከም ዕረ ዓንዴል መሪርዋ ሃገሩን ህዝቡንራሕሪሑ ክወጽእ ዝተገደዶ አብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይንካ ንስርዓት ህግደፍ ምቅላስ አዝዩ አጸጋሚ ስለዝኾነ እዩ። አብቲ እዋን ንዝነበረ እንኮ አማራጺ ተጠቒሙ ድማ እግረይ አውጽእኒ ኢሉ ሃጽ ኢሉ ክስደድ ተገደደ።

ኣብ ዓዲ ስደት ኣትዩ ህይወቱ ምስ ኣረጋግአ ቀጺሉ ክገብሮ ዝነበሮ ኣንጻር’ዚ ኣብ ዓድና
ዘሎ ዲክታቶር ምቅላስ እዩ ኔሩ። ንቃልሲ ክብገስ እንከሎ ዝገጠምዎ ብድሆታትን ቀለልቲ
ኣይነበሩን፡ ናይ ቃልሲ ባይታ ዝተሓላለኹ ኮይኖም ጸኒሖሞ። ነዚ ኹሉ ጽንኩር ኩነታት
ሓሊፉ ግን አብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ብማሕበር ተጠርኒፉ ክቃለስ ከም ኣማራጺ ወሲዱ
ሰሪሕሉ።ገጽ  – ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ –
ምምስራት ናይዘን ማሕበራት መንእሰያት ነቲ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዘይነዓቕ ብድሆ ኮነ። እዚ
ብመንእሰይ ዝተቓልሐ ድምጺ ሓርነት ካብ ጻት ናብ ጻት ዓለም አጋውሐ። ዘይሰዓር ዝመስል
ዝነበረ ዓንዳሪ ስርዓት ህግደፍ ድማ ናብ ዓቢ ስግኣት ወደቐ።
ቃልሲ ሓደ ኢሉ ይጅምር ክልተ ሰለስተ እናበለ ድሕሪ ምቕጻል ናብ ጥርኑፍ ሓይሊ ወይ
ማሕበር ይቕየር። እዚ ሕጂ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ) ኢልና
እንጽውዖ ዘለና ማሕበር ድማ ውጽኢት ናይ ክልተ ኤርትራውያን ማሕበራት መንእሰይን ድሒሩ
ዝሰዓበ ሳልሳይ ማሕበር መንእሰይን እዩ። ድሕረ ባይታ ናይተን ነዚ ማሕበር ዘቖማ ኣሓት
ማሕበራት ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፡
ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYC) : አብ 20 ሰነ 2008 ዓ.ም አብ ዕለተ መዓልቲ
ሰማእታት ተመስሪቱ። ኣብቲ እዋን’ቲ መስረቲ ማሕበር ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብቅኑዕ ልቦም
ከገልግሉ፡ አንጻር ስርዓት ህግደፍ ድማ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ንኸካይዱ ተሰማሚዖም ተፈላለዩ።
ድሒሩ አብ ዝተገብረ ቀጻሊ ርሱን ክትዓት አባላት ማሕበር ቃልሶም ክልተ ሕመረት ዕላማ ሒዙ
ንክጎዓዙ ተሰማምዑ። እቶም ዕላማታት ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ብቅዋማዊ መንግስቲ ክመሓደር
ከምኡ’ውን ነቶም ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ዝስደዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት
ምሕጋዝ ዝብሉ ነበሩ።
ዓንዲ ሕግታቱ ነዲፉ ወግዓዊ ናይ ካሊፎርንያ ዘይመንግስታዊ ፍቓድ ወኒኑ ቃልሱ አሃዱ ኢሉ
ጀሚርዎ። እዚ ማሕበር አብ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዘመኑ ኣብ ዝገብሮ ክፉትን ግሉጹን ናይ
መሪሕነት ምርጫ አርባዕተ ግዜ ዝተፈላለዩ አቦ መንበራትን አባላት ቦርድን ብምምራጽ ህዝባዊ፡
ብውልቀ ሰባት ዘይውነን አሳታፊ ማሕበር ምዃኑ አመስኪሩ። እዚ ስራሕ ዝመለልይኡ ኣብ
ዓለም ብዘይምግናን ብኣብነት ክጥቀስ ዝበቕዐ ማሕበር ዝያዳ ኩሉ ዝተጻወቶ ተራ እንተሎ
ንህግደፍ ንምስዓር ዝተኸተሎ ቅዲ ቃልሲ እዩ። ንሱ ድማ ህግደፍ ዝሰዓር አብ ከከባቢኻ
ስጡምን ዘይምእኩሉን(Decentralized) ውዳበ ተጠቒምካ ምዃኑ ሰሪሑሉን ብግብሪ ኣመስኪርዎን
እዩ። እዚ አብ ቤይ ኤርያ ዝተጀመረ ብወንጭፍ ዳርባ ዘይኮነስ ብቐረባ ጥምጥም ኣንጻር ስርዓት
ህግደፍ ዝተገብረ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ብድሆ አብዚ ሕጂ እዋን አብ ምሉእ ዓለም
ዝርከቡ መንእሰያት ከም ቅዲ ይጥቀሙሉ አለው።
እዚ ምስ ኩለን ተቓወምቲ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ብሓባር ናይ ምስራሕ አወንታዊ
ተሞክሮ ዝወነነ ማሕበር፡ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ዛዚሙ ንዓለምለኻዊ ጥርናፈ ናብ
ዝቀራረበሉ ዝነበረ እዋን በቶም ናይ ነዊሕ ግዜ መሻርኽቱን መቃልስቱን ዝኾኑ ኣባላት ስምረት
መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ንዝቐረበሉ ናይ ምስማር ሕቶ ብኣወንታ ተቐቢሉዎ ጥራሕ
ዘይኮነ ነቶም ካልኦት ተመሳሰልቲ ማሕበራት’ውን ኣካል ናይቲ ስምረት ክኾኑ ዘይተሓለለ ጻዕሪ
ኣካይዱ።
ስምረት ኤርትርውያን መንእሰያት ንለውጢ(EYSC): ውሑዳት ኤርትራውያን መንእሰያት ነቲ
ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ባርዕ ሰውራ ዝፈጠረ ናይ ሳይበር (Cyber
Technology) ከም ፈይስ ቡክን ቲዊተርን ዝኣመሰሉ ናይ መራኸቢ ቡዙሃን ንቃልሲ አንጻር
ውልቀ መላኺ ሃገርና ዕዙዝ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ተረዲኦም EYSC ዝብል ጉጅለ አብ
ፈይስ ቡክ ከፈቱ። ብርግጽ ድማ እዚ ጉጅለ አብ ሓጺር ግዜ ነቲ አብ ዓለምና ፋሕ ኢሉ
ዝነበረ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት አብ ምውህሃድ ዕዙዝን ዝድነቕን ተራ ተጻወተ።
ቁጽሪ አባላት EYSC ፈይስ ቡክ ድማ ብዘገርም ናህሪ ዓብዩ ልዕሊ 10,000 በጽሐ። ኣብ ኩሉ – ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ – ገጽ 
ኩርንዓት ዓለም ንዝተገብሩ ናይ መንእሰያት ንጥፈታትን ብድሆታትን ብምቅላሕ ንትርግታ
ህርመት ልቢ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣቀራረቦ። ብዘይ ምግናን ድማ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ኤርትራዊ
ብኩነታት ሃገሩ ኣብ ካልኢታት ክላዘብን ክከታተልን ታሪኻዊ ባይታ ተፈጥረሉ።
እቲ ኣብ ለካቲት 2011 ዓ.ም ስ.መ.ኤ.ለ (EYSC) ኢሉ ሰለስተ መሰረታውያን ማለት ውልቀ
መላኺ ኢሰያስ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ስልጣኑ ንህዝቢ የረክብ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት
ይፈትሑ፡ ከምኡ’ውን እቲ ብወፍሪ ዋርሳይ-ይከአሎ ዝፍለጥ ግዱድ ዕስክርና ደው ይበል ብዝብሉ
ጠለባት ዝተጀመረ ናይ ፈይስ ቡክ ግሩብ፡ ብድሕሪ ርሱን ክትዓት ኣባላት መሪሕነት መሪጹ ኣብ
18 ሰነ 2011 ዓ.ም ኣብ ባይታ ወሪዱ ክቃለስ ወሰነ። ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ኣብ ሎስ ኣንጀሎስን
(EYSC-LA)፡ ኣብ ህዩስተንን (EYSC-HOUSTON) ማሕበራት መስረተ።
እቶም ጥቡቕ ናይ ስራሕ ዝምድና ዝነበሮም አባላትን መስረትን እዘን ብስም’ውን እንተኾነ
ብዙሕ ፍልልይ ዘይነበረን ክልተ ማሕበራት ብሓንሳብ ኮይንካ ምስራሕ አገዳስነቱ ስለ
ዝተራእዮም፡ ነዘን ክልተ ማሕበራት ከስምሩ ብሰሜን ኣመሪካ ደረጃ ድማ ማሕበር ክምስርቱ
አብ ዝሸባሸቡሉ ዝነበሩ እዋን ሓደ ኣገዳስን ደራኽን ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ቶሮንቶ
(EYC-EYSC TORONTO) ተጸንበሮም። እዚ ናይ ከተማ ቶሮንቶ ጥርናፈ መንእሰያት ነቲ
ድልየትን ፍናንን ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ከብጽሖ እንከሎ ነቲ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዝተጀመረ ምትእኽኻብ
ብዞባ ሰሜን አሜሪካ ንኽኸውን ውድዓውነት ኣልበሶ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ካልኦት ኣብ ሃገረ ካናዳ ምስ ዘለዋ ተመሳሰልቲ ማሕበራት ንኽንሰምር
ከፋቲ በሪ ዝኾነ ናይ ቶሮንቶ ማሕበር ምስ ብቑዓትን ውፉያትን ንለውጢ ዘንቀሉ አባላቱ ናብቲ
አቐዲሙ ዝተጀመረ ስምረት ምጽንባሩ ብዘይ ምግናን ነጥበ-መቐይሮ ማሕበርና ክበሃል ይከኣል።
ኣብ ውሑዳት ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ ዝጀመረ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኣብ ምሉእ ዓለም
ንክላባዕ፡ ናይ መንእሰያት ናይ ምቅላስ መንፈስ ንምብርታዕን፡ EYC-EYSC ንኩሉ ዘሳትፍ
ካብ 25 ግንቦት ክሳብ 27 ግንቦት 2012 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ታሪኻዊን ዕዉትን ኮንፈረንስ
ኤርትራውያን መንእሰያት ኣካይዱ። ወግዓዊ ስም ማሕበሮም፡ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት
ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.) ክኸውን ተሰማሚዖም። ነዚ ምንቅስቃስ ንሓደ ዓመት ዘካይዶ ፈጻሚ ኣካል
መሪጾም ኣብ ተግባር ዝተሞርከሰ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘስፋሕፍሐ ሓያል ምንቅስቓስ መስሪቶም
ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ገጽ  – ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ –
ዕላማና
ሀ) ንገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ብናይ ውሽጥን ደገን ህዝባዊ ጸቕጥን ቅልጽምን ካብ ስልጣን
ከምዝእለ ምግባር’ዩ።
ለ) ናይ ምቅላስ መንፈስ መንእሰያት ብምስሓል፡ ዝተጋህሰ ክብሪ ኤርትራዊ ከምዝምለስ፡
ዝተዳህከ ዓቕምታት ከምዝበራበር ብምግባር፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝቐንዐ
ብሃገራዊ ቅዋም ዝመሓደር ንሕጊ ሰብአዊ መሰላት ዝምእዘዝ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ
ክሳብ ዝትከል ምቅላስ’ዩ
ሐ) ንመሓውራት ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ምስዓር።
ሀ. ኢሳያስ ኣፍወርቂን ጉጅልኡን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ።
ለ. ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክፍትሑ፡፡
ሐ. ወፍሪ-ባርነት ኮይኑ ዘሎ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቅጽበት ደው ክብል።
መ. ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ናብ ህዝቢ ብውሑስ መንገዲ ክሰጋገር፡፡
እዋናዊያን ጠለባትና
ራኢና
ራኢ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ
ተኣልዩ፡
• ሓደ ፍትሒ ዝመለለይኡ ብቅዋም ዘመሓድር ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ተተኺሉ ምርኣይ’ዩ።
• ራኢና፡ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ኮሪዑ ዝነብረላ፡ ቆሪሩ ዝማሙቖላ፡ ተበዲሉ ፍትሒ ዝረኽበላ
ሃገር ምርኣይ’ዩ።
• ራኢና፡ ኤርትራዊ ብሃይማኖት፡ ዓሌት፡ ኣውራጃ ወይ ብሄር ከይተፈላለየ ሓድሕዱ
እናተኸባበረ ተሳንዩ ዝነብረላ ሃገር ተመስሪታ ምርኣይ’ዩ።
• ራኢና፡ ብትምህርትን ቴክኖሎጅን ዝማዕበለ ቁጠባ እትውንን ሃገር ተመስሪታ ምርኣይ’ዩ።
• ራኢና፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና፡ መሰልን ማዕርነትን ዜጋታታ እተኽብር ርትዓዊት ሃገር
ተመስሪታ ምርኣይ’ዩ።
• ራኢና፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሞርኮሰ ንዕቤትን ርግኣትን ከባቢና
ዝሕግዝ ርጡብ ዲፕሎማስያዊ ፖሊሲ እትውንን ሃገር ተመስሪታ ምርኣይ’ዩ።- ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ – ገጽ 
መትከላትና
 ድሕነት ህዝብን ሃገርን ምቅዳም፡
ብሰንኪ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስን ውሑዳት ናይ ህግደፍ መሻርኽቱን ዝፈጠርዎ ቅሉውላው፡ ሃገርና
ኣብ ዓሚዩቕ ዓዘቕቲ ተሸኺታ’ላ። ህዝብና፡ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣዝዩ ሓሲሩ ኣብ ገዛእ ሃገሩ
ከም ጊላ ይርገጽ፡ ከም ኣቕሓ ይሽየጥ፡ ከም እንስሳ ይግረፍ ኣሎ። መንእሰይ መቑሕ ህግደፍ
ክጻወሮ ስለዘይክኣለ እግሩ ናብ ዝመርሖ ካብ ዓዲ ሃጽ ኢሉ ይጠፍእ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ
ይማስን፡ ዕድመ ንእስነቱ ይምንጠል ኣሎ። እዚ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ስሉጥን ቅልጡፍን
ፍታሕ ዝጠልብ ጉዳይ’ዩ። መላገቢ ፈትሊ ክብሪታት ሕብረተሰብና ብዘገርም ናህሪ ክመናናህን
ክበታተኽን ንዕዘብ ኣሎና፡፡ ሃገርና ብዘይ ቅዋም ክትመሓደር፡ ስልጣን ብሓደ ውልቀ-መላኺ
ክባሓት፡ መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ክጋሃስ፡ መንእሰይ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መወዳእታ
ዘይብሉ ባርነት ክጽመድ ንርኢ ኣለና። እዚ ግስሩጥ ኣካይዳ ገባቲ ስርዓት ኢስያስ ንሃገርና
ኣብ ክትወጽኦ ዘይትኽእል ሰልሚ ሸሚሙ ህላወኣ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣውዲቕዎ ኣሎ። ህላወ
ሃገርና ናይ ምድሓን ሓላፍነት ናባና መንእሰያት ስለዝወድቕ፡ ሃገራዊ ግቡእና ክንፍጽም ተበጊስና
ኣለና። ዕማምና ብጽፉፍ ንምፍጻም ከኣ ለውጢ ዘምጽእ ርጡብን ስሉጥን ስትራተጂ ሓንጺጽና
ኣብ ምትግባር ንርከብ ኣለና።
 ወነንቲ መጻኢ ዕድልና
ሓንቲ ሃገር መጻኢ ዕድላ ባዕላ ክትውስን እንተዘይኪእላ፡ ምሉእ ነጻነት ምጭባጥ የሸግራ’ዩ።
ፖለቲካዊ ፖሊሲታታ፡ ቁጠባዊ ንጥፈታታ ኮታ ምሉእ ምሕደርኣ ብካልኦት ሓይልታት ክጽሎ
ልዑል ተኽእሎታት ኣሎ። ካብዚ ውዱዕ-ሓሳብ ብምንቃል ከኣ ስ.ኤ.መ.ለ. ህዝቢ ኤርትራ ጠጃእን
ወሳንን መጻኢ ዕድሉ ክኸውን ይኣምን። ነዚ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ምእላይ ዝጥቀመሉ
ስትራተጂ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዝደልዮ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ብሓባራዊ
ድሌት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ክትግበር፡ ስ.ኤመ.ለ. ብመትከል ይኣምን። እዚ ማለት ግን
ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ኣየድልየናን ማለት ኣይኮነን፣ ሃገርናን
ከባቢናን ኣብ ምርግጋእ ዓቢ ተራ ክጻወት ስለዝኽእል ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝተሞርኮሰ
ዝምድና ክስስን ድሌትና’ዩ። እንተኾነ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ደገፍ ሓሊፉ ኣብ ፖለቲካዊ
ዕጫ ሃገርና ብምእታው ውሳኔኡ ከሕልፍ ኣይነፍቅድን፡፡ ፖለቲካዊ ሽግር ኤርትራዉያን
ብኤርትራዉያን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ እምነት ስለዘለና፡፡
 ውልቃዊ ሓርነት
እምነ-ኩርናዕ ደሞክራሲ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣብ ነብሱ ምሉእ እምነት ኣሕዲሩ፡ ብነጻ፡ ብዘይ ዝኾነ
ይኹን ተጽዕኖ ሓሳቡን ስምዒቱን ክገልጽ ውልቃዊ ሓርነት ምስ ዝውንን ጥራሕ’ዩ ክህነጽ
ዝከኣል፡፡ እንተኾነ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ረብሓታቱ ክሕሉን ብዘይ ሕቶ ኣብ ስልጣን ምእንቲ
ክጸንሕ፡ ዘተኣታተዎ ግልቡጥ ስነሞገት እንተሃለወ፡ውልቃዊ ሓርነትካ ምሉእ ብምሉእ ወፊኻ፡
ምእዙዝ ብምዃን፡ ብላዕሊ ንዝመጸካ መምርሒ ብዘይ ሕቶን ሪኢቶን ምፍጻም ኢዩ፡፡ እዚ ጊንጢ
ስነ-ሓሳብ’ዚ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ዘብለጭልጭ ካባ ሃገራውነት ተኸዊሉ ንረኽቦ፡፡ እዚ ንሰብኣዊ
ክብሪ ወዲ ሰብ ቍልቍል ነቍቱ፡ ንተጎጋ ሓመድ ዘኽብር ስነ ሓሳብ ካብ ስሩ ተነቒሉ ክድረበ
ዘለዎ መንሽሮ ሕብረተሰብ ምዃኑ ምንቅስቃስና ይኣምን፡፡ ወዲ-ሰብ ነጻ ኮይኑ ከም እተፈጥረ፡
ሓርነቱ ድማ ኣብ ውሽጡ ከም እትነብር፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ብዘይ ሰናይ
ፍቃዱ ክምንጥሎ ከምዘይክእል ባህሪያዊ ሕጊ’ዩ፡፡ ነዚ ስነ-ሓሳብ’ዚ ምርኵስ ብምግባር፡ ስ.ኤ.መ.ለ. – ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ –
ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ንዑኡ ቅኑዕ መሲሉ ዝተራእዮ ስነ-ሓሳብ ወይ ፍልስፍናን ኣልዒሉ
ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ክቃለስ መሰሉ ምዃኑ ይኣምን፡፡
 ሕቶ መሰል ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣውራጃ
ኤርትራ ሃገርና ዝተፈላለየ ብሄር፡ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ቋንቋን ዘለዎም ኣህዛብ ሓቒፋ ትርከብ።
እዛ ውቅብቲ ሃገር ሓቒፋቶ ትርከብ ዜጋ ከኣ ኣብ ሞዛይክ ምንቅስቓስና ተጸንቢሩ ክቃለስ ናይ
ወርትግ ድሌት ጥራሕ ዘይኮነ ብኣንክሮ ንሰርሓሉ ጉዳይ’ዩ። እዚ ኣብ መስርሕ ዝውለድ’ኳ
እንተኾነ፡ ድሌትና ክውን ንምግባር ኣብ ምትእምማንን ግሉጹነትን ዝተሞርከሰ ኣሰራርሓ
ተኸቲልና ንኩሉ ደላዪ ለውጢ ከነሳትፍ ጻዕርታትና ቀጻሊ’ዩ ዘሎ። ኤርትራ ከም ሕብረ-ብሄራዊት
ሃገር ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተሉ ህዝቢ ትውንን። እዚ ከም ጸጋ’ምበር ጸገም ጌርና ኣይንወስዶን።
ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣውራጃ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ልዕሊ
ካልእ ሃይማኖት፡ ብሄር ወይ ኣውራጃ ልዕልነት ከርኢ ኣይንድግፍን። ዝኾነ ሰብ ንመሰሉ ክቃለስ
ምሉእ ነጻነት ከምዘለዎ ንኣምን። እንተኾነ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ፡ ሃይማኖት፡ ብሔር፡ ኣውራጃ
ከየፈላለየ ብኣልማማ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘጥፍእ ዘሎ ሓደገኛ ጉጅለ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ
ኤርትራዊ ነዚ ኣስተብሂሉ ንደቀቕቲ ፍልልያቱ ኣወጊዱ ኣብ ሓደ ብምስማር ሃገሩን ህዝቡን ካብ
ጥፍኣት ንምድሓን ናህሩ ከሐይል ከምዘለዎ ንኣምን። እቲ ግዜ ከኣ ሕጂ’ዩ፡፡
 ህዝባዊ ተሳትፎ
ብዙሕ ኣብ ስደት ዝቕመጥ ህዝቢ ብዝተፈላላየ ምኽንያታት ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ
ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ስቕታ መሪጹ ከም ዘሎ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን፡፡ ብርግጽ ፍርሕን ራዕድን
ካብቶም ቀንዲ ነዚ ስቕታ ዝወለዱ ጠንቅታት ኢዮም ክበሃል ይከኣል። ኮይኑ ግና ብወገን ደምበ
ተቓውሞ እውን እንተኾነ ነቶም ድሮ ንፍርሕን ራዕድን ስርዓት ኢሰያስ ስዒሮም፡ ጉልባቦም
ቀሊዖም ዝቃለሱ ዘለው ዜጋታት ድልዱል ሰረት ዘለዎ መቃለሲ ባይታ ፈጢርሎም ኣሎ
ክትብል ኣይድፈርን፡፡ እዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ ቃልሲ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት፡ መንእሰያት
ኤርትራ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ዝዕድም’ዩ፣ እንተኾነ ኣበርክቶ ናይቶም ኣብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ
ውዱባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ንዓመታት ዘካየድዎ ዘይሕለል ተባዕ ቃልሲ መበገሲ ምዃኑ
ክዝንጋዕ የብሉን። ስ.ኤ.መ.ለ. ንኩሉ ቀጸላ ሕብረተሰብ እናዋስአ ብስርዓት ህግደፍ ዝደሃኽ
ዘሎ መሰል ዜጋታት፡ ባህልን ክብርን ኣድሒኑ ምዕባለኡ ዝረጋገጸሉ ውሕስነት ንምፍጣር
ክሰርሕ’ዩ። ምሉእ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕዋት ናይዚ ቃልሲ እጃሙ ንከበርክት ስ.ኤ.መ.ለ. ከም
ስልቲ ክሰርሓሉ’ዩ። ባህልን ስነ-ምግባርን ሕብረተሰብና ዝኹስኩሱ ገጠምቲ፡ ኣዝየምቲ፡ ሰኣልቲ፡
ተዋሳእቲ ኮታ ኩሎም ስነ-ጥበባውያን ንጽባቐን ያታን ኤርትራዊ መንነት ዝኹልዕ መድረኽ
ክኸፍት ዘይሕለል ጻዕርታት ከካይድ ኢዩ፡፡
 ሓበራዊ ቃልሲ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ምክያድ
ስ.ኤ.መ.ለ. ነጻነቱ ዝሓለወ ንእንኮ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ሰሪዑ ዝቃለስ ጥርናፈ’ዩ።
ስለዚ ምስ ዝኾነ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ደው ኢሉ ዝቃለስ ሓይሊ፡ ዉድብ፡ ሰልፊ፡
በርጌሳዊ ምንቅስቃስ…ወ.ዘ.ተ. ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዘቐደመ ኣጀንዳ ሓቢሩ ክሰርሕ ድሉው’ዩ፡፡ – ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ –
 ኣገባብ ኣተኣላልያ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ
ስ.ኤ.መ.ለ.፡ ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ብናይ ውሽጥን ደገን ህዝባዊ ጸቕጥን ቅልጽምን ካብ ስልጣን
ከምዝእለ ይኣምን። ነዚ ፍጻመ’ዚ ግብራዊ ንምግባር ከኣ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝቢ ክብ ኣቢሉ፡ ናይ
መንእሰያት ናይ ቃልሲ መንፈስ ስሒሉ፡ ናዕታ ቃልሲ ህዝቢ ኣንጻር እንኮ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ
ዝኾነ ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ክኸውን ኣበርቲዑ ይሰርሕ።
ነዚ ገባቲ ስርዓት ጠጠው ኣቢለንኦ ዘለዋ ኣዕኑድ ወታሃደራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ስለያውን
ሓይሊ’የን። ዓንዲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ብዘይድሌቶም ዝተቖርኑ ንጹሃት መንእሰያት ዝሓቖፈ፡
ንዕላማን ኣካይዳን ስርዓት ህግደፍ ዘይኣምን ኣካል ምዃኑ ስለንኣምን፡ ከም ናይቲ ስርዓት ዓንዲ
ክንጥምቶ ኣይንደልን። ኣብ ዝኾነ እዋን ኣካል ናይ ንገብሮ ዘለና ምንቅስቓስ ኮይኑ ክጽንበረና
ስለዝኽእል ታርጌትና ናብኡ ኣይቀንዕን’ዩ። ነተን ዝተረፋ ሰለስተ ኣዕኑድ (ቁጠባ፡ ፖለቲካን
ስለያን) ግን ብሓደ እምኒ ናይ ምህራመን ስራሕ ቀዳማይ ዕማም ስ.ኤ.መ.ለ. ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ፡
ነዘን ሰለስተ ኣዕኑድ ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከብ ኤርትራውን ምዕራባዊ ዓለምን ብዝረኽቦ
ደገፍ’ዩ ዘራጉደን። ብስም ኮምኒቲ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ንጥፈታት የካይድ፣ እናገደደ
ገንዘብ የኽፍል፣ ብስም ውልቀ-ሰባት ናይ ንግዲ ኩባንያ ከፊቱ ጅቡኡ የሀጥር፣ ነዚ ሰንሰለት’ዚ
እናተጠቕመ ከኣ ፖለቲካዊ ጽልውኡ የስፍሕ፡ ስለያዊ ንጥፈታቱ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ኤርትራዊ
የካይድ።
ስ.ኤ.መ.ለ.፡ ነዚ ሰለስተ ማሓውር ግን ኣብ ሓደ ዓንዲ ዝቆመ ፖለቲካዊ ሓይሊ ገባቲ ስርዓት
ኢሳያስ ምርኹማሽ’ዩ ቀዳማይ ጨመትኡ። ነተን ህግደፍ ጉልባብ ዝጥቀመለን መአከቢ ገንዘብ
ኮምኒቲ ማእከላት እናከሸሐ፣ ንኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዝዋፈሩ ወይጦታት
እናጋለጸ፣ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ምውጻእ ጠጠው ከምዝብል እናገበረ፣ ንግዕዙይ ምሕደራ ገባቲ ስርዓት
ኢሳያስ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትር ዘውርዶ ዘስካሕክሕ ጭቆናን እናገለጸ፡
ንህግደፍ ኣብ ከከባቢኡ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ውድቀት ከምዘጋጥሞ ምግባር’ዩ።
እንተኾነ ስ.ኤ.መ..ለ. ዘይስሕቶ ሓቂ ኣሎ። ዕድመ ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝሓጽር፡ እቲ ካብ
ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ምንቅስቓስ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓይሊ ምስዝተኣሳሰር’ዩ። ስለዚ ከኣ፡
ስ.ኤ.መ.ለ. ነቲ ከም ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ፡ ናይ ህዝቢ ሰራዊት ምዃኑ ስለዝኣምን፡
ኣብ ምውዳቕ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ግቡእ ተራ ክጻወት ዘይሕለል ጻዕሪ ከካይድ’ዩ። – ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ –
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ብምስማር “ይኣክል በቃ!” ኢሉ ንገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ንምእላይ
ተላዒልሉ ዘሎ ወቅቲ ኢዩ። ስ.ኤ.መ.ለ. ድማ ነዚ ትርግታ-ልቢ ህዝቢ ብምስማዕ ኣብ ሃገርና
ለውጢ ብተግባር ንምምጻእ ኣብ ከቢድ እዋናዊ ዕማማት ተጸሚዱ ይርከብ።
ሀ) ኣብ ምሉእ ዓለም ጨናፍር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYSC)
ብምቛም፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ከባቢኡ ክውደብን ክቃለስን ጻዕርታት ብምክያድ፡
ንመሓውር ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ስደት ምሉእ ብምሉእ ምልማስ፡፡
ለ) ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሰፊሕ መርበባት ስ.ኤ.መ.ለ. ብምዝርጋሕ፡ ምስ ሰራዊትን
ህዝቢን ኤርትራ ጥምረት ብምፍጣር ንገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ዝሓጸረ እዋን
ምስዓር።
ሐ) ምስ ኩሎም ኣንጻር ስርዓት ገባቲ ስርዓት ኢሳያስን ጉጅልኡን ዝቃለሱ ፖለቲካውያን
ዉድባት፡ በርገሳውያን ማሕበራትን ዉልቀ ሰባትን ዘለዎ ርክብ፡ ስምረት ብተግባር
(ብስራሕ) ዝሕመረቱን ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ብዘቐድም መንገዲን ብምግባር
ቃልስታቱ የወሃህድ።
መ) ብሰንኪ ግዑዙይ ስርዓተ-ምሕደራ ኢሳያስ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ዝተገደዱ ዜጋታት
ዓቕሚ ዘፍቀደ ሓገዛት ምብርካት።
ሰ) ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ መዘና ኣልቦ ግህሰት ሰብኣዊ
መሰል ኣብ ዓለም ግቡእ ቆላሕታ ምእንቲ ክረክብ ብማዕከናት ዜና እናቃልዐ፡ ነተን
ሰፊሕ ጽልዋ ኣብ ዓለምና ዘለወን ሃገራት ብቀጻሊ ይጉስጉስ።

ስምረትና ዋሕስ ህላዌና፡፡
መብጽዓ ሰማእታትና ብቃልስና ክረጋገጽ ኢዩ፡፡
ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.መ.ኤ.ለ.)
መስከረም 1, 2012

Eritrean Youth Solidarity for Change (EYSC)
Email: info@eysc.net
Facebook: http://www.facebook.com/groups/eritreanyouth
Website: www.eysc.net