wave600x

 

 

ዝኸበርካ ሓፋሽ ኤርትራ

         ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ደማዊ ምሩጻት ደቅኻ ዝሃሞኸ ቃልሲ አንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ኢትዮጵያ አካይድካ ብጅግንነት ተዓዊትካ ናጽነትካ ጨቢጥካ። ድሕሪ ናጽነት ከይተሃወኽካ ንኹሉ ብዓቕልን ትዕግስትን ክትከይድ መሪጽካ። ጠሚኻ ክንስኻ ከም ጽጉብ፡ ዕሩቕ ክንስኻ ከም ልቡስ፡ ተዓሚጽካ ክንስኻ ከም ሕጉስ፡ ተጠሊምካ ክንስኻ ደሓን ክወግሕ እዩ ክትብል ድሮ ርብዒ ዘመን ኮይኑ። እዚ ኩሉ መስገደል እንክወርደካ ዓሺኻ ዘይኮነስ ልቢ ስለዘዕበኻ፡ መራሕትኻ ልቢ ንኸዕብዩ ጊዜ ንምሃብ ዝገበርካዮ ሓልዮት እዩ ኔሩ።  

         እንተኾነ ግና ሕድሪ ስውአትና ሙሉእ ን ሙሉእ ተጠሊሙ እታ ቀያሕቲ ከፊልካ ዝተረከብካያ ሃገር ሕድሪ አብ አፈፌት ምህላውን ዘይምህላውን ወዲቓ ትርከብ። አብ ዓለም እታ እንኮ መመሓደሪ ቅዋም ዘይብላ ብዊንታ ዓንዳሪ መራሒአ እትመሓደር ሃገር ኤርትራ ጥራይ እያ። ሃገረ ኤርትራ ናይ ንቡር ካቢኔ ሚኒስተራት ኮነ ሃገራዊ ባይቶ ከምኡዉን ሃገራዊ ባጀት የብላን። አብ ኤርትራ ሓደ ዉልቀ ሰብ ብዘይ ምግናን ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን አካል ኮይኑ፡ ብንዕቀት ንርብዒ ዘመን ንህዝብና ይጭፍልቕን ይገዝእን አሎ።

         ሃገር ወዲቓትሉ ዘላ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቁልውላው ድቃስ ዝኸልእ ክንሱ፤ ነዚ ዓንዳሪ ውልቀ መላኺ ንምእላዩ ሓባራዊ ስጉምቲ ስጋብ ሕጂ አይተወስደን። ዓለም ብ ዓለሙ ትማሊ ትማሊ ብጅግንነትና ከምዘይተደነቐን መን ከም ኤርትራዊ ከም ዘይተባህለን፡ ሕጂ ህዝብታት ዓለም እንታይ እዩ ወሪዱኩም ኤርትራውያን ንሓደ ውልቀ ሰብ ምዃን ሲኢንኩም ኢሎም ካብ ዝወራዘዩልና ዓመታት ኮይኑ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ብተባዓት ደቂ ሃገር ብተናጸል ኢሰያስ ንምልጋስ ዝተገብረ ስጉምቲ ስለዘይተዓወተ ሎሚ ብሓባር ኩልና ደቂ እዛ ለዋህ መሬት ክንብገስ አለና።

         ነዚ ንምግባር አብ ውሽጥን አብ ደገን ዘለና ደቂ ህዝቢ ተበጊስና ስለ ዘለና ኩልኻ ህዝቢ ኤርትራ ክትስዕበናን ንምሕጸን፡፡ እዚ ተበጊሱ ዘሎ ውራይ ምልጋስ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ አብ ዝሓጸረ እዋን ንስኻ ባዕልኻ ህዝብና ጥራይ አብ ሸትኡ ከም እተብጽሖ ሙሉእ እምነት አሎና። ነዚ ሕድሪ ስውአትና ዘንቀዶ ህዝባዊ ናዕብን ነድርን ድማ ማዕበል 2015 ኢልና ሰሚናዮ አለና። ማዕበል 2015 አብ ዝሓጸረ ጊዜ ናህሩ ወሲኹ ቅልጽሙ አሕይሉ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናጻን ሓራን ከውጽእ ተበጊሱ አሎ። ማዕበል 2015 ብሓፋሽ ኤርትራ ዝምራሕን ዝድረኽን ብዘይካ ሓፋሽ ኤርትራ ማንም ግዳማዊ ሓይሊ ወናኒ ዘይብሉ ህዝባዊ ማዕበል እዩ።

           ማዕበል 2015 ንኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብና ማለት ንሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ንመንእሰያት አባላት ሃገራዊ አገልግሎት፡ ንመንእሰያት ተማሃሮ፡ ንማሕበር ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት፡ ንማሕበር ኤርትራውያን ደቂ አንስትዮ፡ ንማሕበር ኤርትራውያን መማሃራን፡ ንኹሎም ምእመናንን መራሕቲ ሃይማኖታትን ኤርትራ ደጀን ድርዕቶ ዝተሓንገጠ ሕድሪ ስውአትና ዝተላበሰ ናይ ተሃድሶን ሓርነትን ማዕበል እዩ። እታ ዝተመነናያን ዝበህግናያን ኤርትራ አብ ዝሓጸረ እዋን ንኽትገሃድ ኩልና ደቂ ሃገር አብ ማዕበል 2015 ንዕሰል።

ድምጺ ማዕበል 2015 አብ ኩሉ የቃልሕ!!