ለውጢ ካብ ውሽጢ “ጸላም ሰንበት ኣስመራ” ዘረጋገጸቶ ሓቂ

Solomon AssefawContributed Articles, Featured

ህዝቢ በቶም ብዘይድልየቱ አብ ዝባኑ ዝተኾየጡ ወይ ብሕጋዊ መስርሕ ዘይመረጾም መለኽቲ ንዓመታት ክርዕድን ክፈርህን ይኽእል እኳ እንተኾነ ንዘንተ እለት ተምበርኪኹን ርዒዱን ክነብር ግና ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። እዚ ሰራሕ ቅያን ጅግንነትን ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ፤ እንተስ ካብ ኩቱር እምነት ተዳህሊሉ ስለ ተጠልመ ወይስ እንተስ ባዕሉ ንባዕሉ ተጠላሊሙ ብዝፈጸሞ ስሕተት ፈጺሙ አብ ውጹኡ ምልከት ካብ ዝወድቕ ነዊሕ እዋን ኮይኑ እዩ። ሓሳቡ ከይገልጽ ወይ ርእይትኡ ከየፍስስ ተአጊዱ ርእዩ ከምዘይረአየ፡ ሰሚዑ ከምዘይሰምዔ ክሳዱ ቀቢሩ ክጎዓዝ ርብዒ ዘመን ኣቑጺሩ።
ነዚ አብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ናይ ራዕድን ሽበራን ምሕደራ ብጥርኡ ዝወሰድዎ ሰባት እውን ነቲ ህልዊ ኩነታት ከም ነጥበ ኩርናዕ ወሲዶም ህዝባዊ ለውጢ ካብ ውሽጢ ክመጽእ አይክእልን’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም እዮም። ለውጢ ካብ ውሽጢ እንድሕር ዝመጽእ ኮይኑ ግና ካብ የማናይ ኢድ ህግደፍ ናብ ጸጋማይ ኢድ ህግደፍ ማለት ካብ ምሕደራ ኢሰያስ ወጺኻ ናብ ምሕደራ ጀነራላት ህግደፍ ዝዓይነቱ’ዩ ዝኸውን ዝብል ሞጎት እውን ከቕርቡን ክትንትኑን ዘይፈተኑ ኣይኮኑን። ነገራት ብብዙሕ ሸነኻቶም ምርኣዮም ወይ ኩሉ አማራጺታት ምጉርጓር ዝጽላእ ኣይኮነን፤ የግዳስ ሓደ ዝሓሰብካዮ ወይ ዝወጠንካዮ ቅዲ ቃልሲ ምስ ዘየስልጥ፤ ክትተዓጻጸፍን ክትገላበጥን ዘይምኽአል’ዩ እቲ ድኹም ጎኒ።
ለውጢ ካብ ውሽጢ ንዝበሉ ተቓለስቲ አክንዲ ንስኹም ብዝሰልጠኩም ንሕና ድማ ብዝመስለና ኢልካ ተኸባቢርካ ቃልስካ እትቕጽል፤ ነቶም ለውጢ ካብ ውሽጢ ጥራይ እዩ ጋህዲ ዝኸውን ዝበሉ ሰብ ራእይ እዚኦም ጽገና እዮም መቐጸላታ ህግደፍ እዮም እንዳተባህለ ሕልና ቃልሲ ዘዕርብ አንጻሮም ዝተዋደደ መጥቃዕትታት ቀሊል አይነበረን። እዚ ዘይብሱሉን ቅርጥውን መጥቃዕቲ ካልእ ጸቢብ ጉጅለአዊ ትንታነታት ተሓዊስዎ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምትህልላኽ እዩ ድማ ነቲ ብመንእሰይ ኤርትራ ቦጣዕጣዕ ኢሉ ተኾሊዑ ዝነበረ ቃልሲ ንፍታሓዊ ሓርነት ብድነ ዝጋረዶ። እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ዘይምትእምማን ድማ ንድልየት ሓድነት ስማዊ እምበር ግብራዊ ከይከውን ገቲሩ ሒዝዎ ንረኽቦ።
ከም እስትራተጂ ቃልሲ ስርዓት ህግደፍ ብዘለዎ ናይ ስለያ፡ ጸጥታን ወተሃደራውን መሓውር ካብ ደገ ምትኹታኽ አየድልዮን ማለት አይኮነን፤ ወዮ እኳ ከምኡ ዝገብር ሓይሊ እንተተረኺቡ። ቃልሲ ከምቲ ናይ ዕዳጋ አዴኻ ከም ዝለአኸትካ ዘይኮነስ እንታይ ደአ ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ ዝበልዎ ዝፍለይ አይኮነን። አብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተረጋገጸ ሓቂ አሎ እንተኾይኑ ብዘይ ቃል ዓለም እታ እንኮ ናይ ለውጢ ደወል ካብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራይ ትድወል ምህላዋ እዩ። ወዲ ዓሊን ብጾቱን አብ ፎርቶ፡ ተበዓት አቕሽሽቲ ካቶሊክ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዘጋውሕዎ ድምጺ ሓርነት ሕጂ ድማ ብኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ጎደናታት አስመራ ደሚቑን ተኾሊዑን እዩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ካብ ርሑቕ ስግር ማዕዶ ዘይኮነስ ግንባሩ ንአፈሙዝ ረሸንቲ ሂቡ እምቢ ንባርነት ኢሉ ንስለ ሓርነት መስዋእቲ ከፊሉ እዩ።
እዚ ክቡር መስዋእቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋ ነቶም ለውጢ ካብ ውሽጢ ክበሃል እንከሎ፤ መን ክስወአልኩም ደሊኹም ኪዱ ናብ ጎደናታት አስመራ ዝብሉ ንባዕሎም ብብረት ዝመጸ ስርዓት ብብረት ጥራይ እዩ ዝኸይድ ስለዚ ኩለመዳያዊ ቃልሲ እዩ እቲ እንኮ ፍታሕ እንዳበሉ አብ ኤውሮጳ፡ አሜሪካን አዲስ አበባን ኮይኖም ዝድብሉ የግዳስ ናብ ዶባት ኤርትራ ዘይወርዱ ደለይቲ ለውጢ ዓቢ ትምህርቲ ሂቡ እዩ ሓሊፉ። ሕጂ’ውን እቲ ንስለ ሓርነት መስዋእቲ ዝኸፍል እቲ አብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ብፍቕሪ ሃገሩ ዝነድድ ብሕድሪ ስውአት ድቃስ ዝሰአነ ህዝቢ እምበር እቲ ነብሱ ፈትዩ ንስደት ዝመረጸ ኤርትራዊ ዘይምዃኑ እንተረዓምናሉን ብእኡ መጠን ቃልስና እንተንኽልሶን ንምረት ምልኪ መሕጸሮ ኔሩ። አብ ስደት ዝነብር ህዝቢ እታ እንኮ ክገብራ ዝኽእል ነዚ ካብ ውሽጢ ንዝብገስ ናይ ለውጢ ማዕበል ኩለመዳያዊ ማለት ፋይናንስያዊ፡ ናይ ሚድያ፡ ናይ ዲፕሎማሲ፡ ናይ ሓበሬታ፡ ናይ ምክርን ናይ ሞራልን ሓገዝ ምግባር ጥራይ ምዃኑ አሚንና ነቲ ካብ ጎረባብቲ ሓገራት ብዝተረኽበ ሓገዝ ብረት ዓጢቕካ ስርዓት ናይ ምቕያር ሕልማዊ ስትራተጂ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክንባተኽ እቲ ክውንነት የገድደና አሎ።
ካልእ ከይጠቐስክዎ ዘይሓልፍ ነገር እንተሎ ኮይኑ፤ ለውጢ ካብ ውሽጢ ክበሃል እንከሎ ቡዙሓት ፈሊጣን ናይ ለውጢ ሓይሊ መንእሰይ ንስደት ኣቕኒዑ ደአ ከመይ ጌሩ እዩ ለውጢ ካብ ውሽጢ ክረጋገጽ ዝብሉ ዘይሰማዕና አይኮናን። EYSC (ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ) ናብ ውሽጢ ዓዲ ቴሌፎናት እንዳደወለ ንመንእሰያት ኤርትራ ንመሰሎምን ንመሰል ህዝብን ኤርትራ ንኽለዓሉ ክጉስጉስን ከጽውዕን እንከሎ ናብ ወላዲትካን አረጊት ኣደ ዓባይካን ደዊልካ ዝመጽእ ለውጢ የልቦን እንዳተባህለ ክባጨው ዘይሰማዕና አይኮናን። ነዚ ፖለቲካዊ ዳእላ ግና አብ ውሽጢ ሃገር እንተወሓደ 4 ሚልዮን ዘይውሕድ ወዲ ሃገር አሎ፤ እዚ ዝአክል ቁጽሪ ድማ ህጻውንትን አረጋውያንን እዮም ዝብል ዓሻ ዘይስነ ፍልጠታዊ ስነ ሞገት እዩ ዝብል ብልሒ መልሲ አብ ጊዜኡ ተዋሂብሉ ኔሩ እዩ። እዚ ብመንእሰያት ኤርትራ ዝተፈነወ በርቃዊ አብያ ነቲ ሓቂ አድሚቕዎ ሓሊፉ ኣሎ። እዞም ብዳርባ እምኒ እምቢ ንግዱድ ዕስከራ ዝበሉ መንእሰያት እምበአር ኤርትራውያን እምበር ፍልስጤማውያን አይኮኑን።
አብዚ ሕጂ እዋን ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ማዕበል ካብ ውሽጢ እመበር ካብ ደገ ከምዘይረጋገጽ ዘይአምን ሰብ ዳርጋ የልቦን ክበሃል ይከአል። እቶም ለውጢ ካብ ደገ ኢሎም ናይ ሎሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተበገሱ ከምዘይከውን ድሮ ፈሊጦም ተስፋ ቆሪጾም፤ እቶም ዝተረፉ ቁንጣሮ እውን አግህድ አቢሎም ዘይዛረብሉ ኮይኖም እምበር፤ ንሶም ዝብልዎ ዘለው ለውጢ ብሓገዝ ጎረባብቲ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ግና ካብ ባድዮሽ ትምንይት ሓሊፉ ግብራዊ ክኸውን ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ፤ ምኽንያቱ ምስቲ መራሕቲ ጎረባብትና ዝምነይዎ ድልየታት ሕቖን ከብድን ስለ ዝኾነ። ነተን ለውጢ ካብ ውሽጢ ዝብላ ውድባትን ማሕበራትን ምስ ህግደፍ ክዕረቓን ነቲ ዘሎ ስርዓት ክጽግናን’ዩ ድልየተን ኢልካ ንገርህታት አደናጊርካ ዝተአልመ ሰፊሕ መርበብ ጠቐነ፤ ክንዮ ውድበይ ውድብካ ዝዓይነቱ ጠፋሽ ጊዜያዊ ጸብለልታ፤ ድሒሩ ኣብ ህዝቢ ብሓፈሻ ኣብ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ዘእተውኦ ህልኻትን ምፍንጫላት ተመሊስና ክንምርምሮን ክንፍውሶን ጊዜ ይጠልበና አሎ።
እዚ ኩሉ አብ ላዕሊ ብጭብጥን ህልዊ ክውንነትን ተሰንዩ ዝቐረበ ትንተና ነቲ ሓደ ከም ዕውት ነቲ ካልእ ከም ፍሹል ንምውድዳር ወይ አብ ጥራይ ጎልጎል ሸቶ ንምምዝጋብ ዘይኮነስ እንታይ ደአ ካብዚ በጺሕናዮ ዘለና ከመይ ጌርና ንቕድሚት ክንከይድ ከም እንኽእል ክሕግዘና ይኽእል። ሕጂ’ውን ህንጡይነትን ሰናይ ትምኒትን ንጎድኒ ሓዲግና ኩሉ ዓቕምታትና ኣሕቢርና፤ በቲ ክንገብሮ እንኽእል እንድሕር ኢሂን ሚሂን ተበሃሂልና ስቓይ ህዝብና ዘይሓጽረሉን ዓወትና ዘይንጭብጠሉ ምንም ምኽንያት የልቦን። ድልየትና ንለውጢ ካብ ኮነ ብዘይ ቃል ዓለም ለውጢ ዝመጽእን ዝረጋገጽን ካብ ውሽጢ ጥራይ ምዃኑ ኩሉ ጭብጥታት እንዳረአና ክንሕሰሞ ዘይኮነስ ክንዓስሎን ክንሰርሓሉን መድረኻዊ ኮይኑ ንረኽቦ። ነቲ ካብ ውሽጢ ዝፍጠር ማዕበል ለውጢ ድማ ዋንኡ ውድባት ወይ ማሕበራት ዘይኮናስ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እውን ክንዝንግዖ አይግበአናን።
ሰሎሙን ገብረእየሱስ (EYSC)