እታ ዘይተስተማቐረት ናጽነት

Wedeb TedrosContributed Articles, Featured

EYSC-flags

ኣብ ሓደ እዋን: ብማሕበረሰብ ዓለም ትስፍውቲ ሃገር ዝብል ቅጽል ተዋሂብዋ: ከም ጽብቅቲ ዕንበባ መሮር ኣዒንቲ ብዙሓት ዓሲልዋ ኔሩ’ዩ። ኤርትራ ሃገርና! እቲ ንዘመናት ቀላጽም ዝጠንከራ ሃገራት እንዳበራረየ: መግዛእቲ ድሕሪ መግዛእቲ ዘሳሰየ : ዝኽፈል ከፊሉ: ደሙ ኣንጠብጢቡ: ኩሉ’ቲ ሰውራ ዝሓለፎ ሕማቕን ጽቡቕን መድረኻት ሓዚሉ በሪ ናጽነት ከርሑ ክኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ!

መቸም ህዝብና ከም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ናይ ዓመተ 1991 ጌሩ ኣብ ታሪኹ ተሓጉሱ ይፈልጥ እዩ ወይ ወን ንብድሕር ሐጂ ክሕጎስ እዩ እሉ ኣፉ መሊኡ ዝምጉት ዘሎ ኣይመስለንን። ብዙሕ እኳ ክበሃል እነተኸኣለ: ብሕጽር ዝበለ ግን ምስጢሩ “ሓበን” እዩ። ኤርትራዊ ሙኻን ከም ኣብተን ቅንያት እተኤን ዘሐብን ኣይነበረን። በቃ ኩሉ ሰብ ኮሪዑ: ተሓጉሱ: ተተስፍዩ እባ ኸኣ። ተስፋ ምዕባለን ብልጽግናን። ተስፋ ፍቕርን ምትሕቁቃፍን። ተስፋ ሰላምን ቅሳነትን። ኣብ ናይ ነፍሲወከፍ ኤርተራዊ ገጽ ፍሽኽታ ዝሰኣለ ተስፋ። ነጸብራቕ ናይዚ ደስታ: ኣብታ ድራር ደቃ ከየዳለወት ኣብ ጎደናታት ሓጎስ ዘመንጨዎም ጸረርታ እንዳደረዘት ክትለሀ ትውዕልን ትሓድርን ዝነበረት ኣደ ይምስከር። ኣብቶም ጸሎቶም ሰሚዑ ምላሽ ንዝሃቦም ኣምላኽ ከመስግኑ ቤተክርስትያንን መስጊድን ዝወዓሉ ወለዲ ተነቢቡ። ኣብቶም ደደሕሪ ተጋደልቲ እንዳጎየዩ “ወሰደ ተጋዳላይ በዓል ስረ” ዝጨርሑ መናእሰይ ደሚቑ።

ናጽነት መጺኣ ማለት እመበኣር ንህዝብና ኩሉ እቲ ዝሓለፈ መስገደል: ሕሰምን ሓርጎጽጎጽን ኣርባዕተ ነጥቢ ተገሪሉ ማለት እዩ ኔሩ። በተን ሰሙናት። ኣብተን መጀመርያ ናይ ናጽነት ዓመታት: መግዛእቲ ዝጠንቁ ምብትታን ስዳራቤታትን ስደትን ኣኽቲሙ: ዝተሰደደ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ምውቕ ንፋስ ሃገሩ ብናጽነት ተሰንዩ ንኸስተማቅር ብብዝሒ ናብ ሃገሩ ዊሒዙ። ኣብ ገድሊ ዝጸንሐ ናብርኡ ተዓርዩ: ወለዱ ክጠውርን ስቪላዊ ሂወቱ ክመርሕን ተተምንዩ። ናጽነት ኣብ ምድላይ ወፊሮም: ኣብ በበይኑ ወገን ብምንባሮም ኣበቲ ዝተፈጥረ ዘይምቅዳው ዝጠንቁ ረጽሚ ዝተገዳድዑ ኣሕዋት ይቅረ ይቅረ ተባሂሎምን ዝሓለፈ ረሲዖምን ናብታ ርስቶም ዝኾነት ሃገሮም ከቅንዑ።  ምሁር ክምህር: ተምሃራይ ክመሃር: ነጋዳይ ክነግድ: መሃንድስ ክሃንጽ ። እኩብ ድምር ውጽኢቱ ግን ነዛ ናይ ሓደራ ሃገር ንምብልጻግ።

ሃገርናን ህዝብናን እምበኣር ኣብ ከምዚ ሃዋህው እንከለዉ እዩ: ዝተጠጀአ ክፋእ ናይ ኣርዮስ እሰያስን ደቂ መዛሙርቱን ጸረር ክብሎም ዝጀመረ። እቲ ካብ ህዝቢ ተኸዊሎም ዝገብርዎ ዝነበሩ እከይ መጋብር: ኣይ ሰሙን ኣይ ሳልስቲ: ውራይ ናጽነት ዝተባዕለሉ ዳሳት ከይፈረሰ በጨቕ ኣበልዎ ደኣ። እቲ ብማእሰርቲ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዘፈለመ ጽያፍ: መጭወይቲን ቅንጸላን ንጹሃን ዜጋታተና ተሓዊስዎ ዘገም ክብል ጀመረ። ወግሐ ጸብሐ ብዝወጽ ዝነበረ ግዝያዊ ኣዋጃት መነባብርኦም ብከቢድ ዝተጸልወ ተጋደልቲ ንዘለዓዓልዎ ናዕቢ: ብምቁንጻብን: ነቶም ኣብቲ ጉዳይ ተሳቲፍኩም ዝበሎም ኣካላት ብጅምላ ብምእሳርን ዘይጸገበ ጉጅለ: ነቶም ምእንቲ ናጽነት ኣካላቶም ኣብ ፍቆዶ ስንጭሮታት ኣትሪፎም ዝመጹ ውጻእ መዓት ገድሊ ኤርትራ ዝኾኑ ስንኩላን: ንመረረኦም ብኣፈሙዝ ብረት ምሰመለሰሎም: ብስክፍታ “እዞም ደቂስ” ዘይበለ ኣየነበረን። እቶም ኣብ ሓደ እዋን ህዝብና: ትሕቲ ፈጣሪ ልዕሊ ሰብ ዝረኣዮም መራሕቲ ጉጀለ ጠፍኣት: እነዳሓደረ ዝኸፍእ እምበር: ምሕረት ዘይብሉ ግዑዞ ቀጸልዎ ደኣ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኩናት ብምስዋርን ኣብ ዘይምለከቶ ጣልቃ ብምእታውን: ጠንቂ ቅዝፈት ብዙሓት ደቂ ሃገር ኮይኑ። ኣብ መወዳእታ: ነቲ ፍትሒ ንክነግስ መሰረት ዝኸውን ቅዋም ከየተግብር: ህዝብና ኣብ ዘይተጸበዮን ዘይሓሰቦን: ምስ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ኩናት: ከቢድ ዋጋ ክንከፍለሉ ተገደድና ደኣ። እቲ ሓንሳብ ዝተጀመረ ናይ ጥፍኣት ጎደና በዚ ከይዓገበ ነቶም “ንጠፍእ ኣለና: ናብ መገዲ የማን ንመለስ” ዝበሉ ሃገራውያን:  ናብቲ ምድራዊ ሲኦል ዝኾነን ክነደይ ንጹሃት ዜጋታት ዘሕቀቐን ቤት ማእሰርቲ ብምድጓን ንሞት ፈረዶም። ድሕሪ’ዚ ፍጻሜ: ሃገርናን ህዝብናን ወላ ውን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ከለዉ ርኦሞ ዘይፈለጡ ሕሰም ኣብ ምሕላፍ ኣተው።

ናጽነት መጺኡ ካብ ዝበሃል 25 ዓመት ከንረግጽ ኣብ ኣፈፌት ንርከብ። 25 ዓመት በቲ ግቡእ መልክዑ ተኸድናዮ: ሓደ ወዲ ሰብ: ተወሊዱ ዓቢዩ: ተማሂሩ: ንነብሱ ኮይኑ ንስደርኡ ብዓቢኡ ከኣ ንሃገሩ ዝኾነሉ ዐድመ ኣኺሉ ማለት እዩ። ህዝብና: ብፍላይ ከኣ መንእሰይሃገርና: ንቡር ተሓሪሙ: ሂወቱ ናይ ሰብ ግዜ ዋንነት ኮይና ትርከብ። ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ህዝብና ካብቲ እዋን ናይ መግዛእቲ ብዝበኣሰ እንዳተሳቀየ: ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት: ናብ ጊላ ተቀይሩ: ገሊኡ ኣበተን ናብ 360 ዝገማገማ ቤት ማእስረትታት ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ተቀይዱ:: ገለ ድማ ሃገሩ ናብ ገሃነብእሳት ተቀይራቶ ሃጽ ኢሉ ክጠፍእ: ግዳይ ብግዲ ደቂሰባት ራሻይዳን በደዊንን: ቀለብ ዓሳን ሳህራን ኮይኑ። ዝርካቡ ነዚ ኩሉ ሰጊሩ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝበጸሐ: በቲ ዘሕለፎ ሽግራት እንዳተዳቀየ ወርትግ ኣብ ቅልውላው ይርከብ። ሎሚ ኣብ ሃገርና: ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ: ናጽነት እምነትን ምትእኽኻብን ዝበሃሉ ሓረጋት ኣይፍለጡን። መራሕቲ ሃይማኖታት ዝእሰሩላ: ሽማግለታት መሳርያ ዝዓጥቁላን ወለዲ ብዝይ ጠዋርን ቀባርን ዝተርፉላ ሃገር ኮይና ኣላ ኤርትራ ሃገርና። ማሕበራዊ: ፖለቲካዊን ቁጠባውን ቅልውላው ኣብ ዝኸፈአ ደረጅኡ በጺሑ: ፍርቂ ህዝቢ ናብ ስደት ግዒዙ: ኣብ ምቅጻልን ዘየምቅጻልን ሕቶ ዘልዕል ቀራና መንገዲ ትርከብ ኣላ ኤርትራና።

ምስሊ ኤርትራ ናይ ግንቦት 1991 ን 2016 እምበኣር ከብድን ሕቆን: ጻዕዳን ጸሊምን: ሰማይን መሬትን ኮይኑ ንረኸቦ። እታ ኣብ ሓደ እዋን ትስፍውቲ ዝተሰየመት ሃገርና: እታ ህዝባ ናይ ተስፋ ፍሽኽታ ዝለገሰላ ኤርተራና: እታ ደቃ ዝተሰውኡላ: ዝሰንከሉላን ዝኸርተቱላን ርስትና: ሎሚ ናብ ምድራዊት ሲኦል ተቀይራ ኣላ። እቲ ኣብ 1991 ኤርትራዊ ምባል ዘኹርዕ ዝነበረ መንነተ:  ሎሚ ኣብ መዝገብ ስደተኛታት ብቀዳምነት ዝጥቀስ መጸውዒ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ኣብ መሪሕነት ወፋሮ ነጻነት ብፍጹም እምነት ዓይኑ ዓሚቱ: እዝኑ ከዲኑ ዝሰዓበ ህዝቢ ሎሚ 25 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ እንተርእዩ  “ለካ እታ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝመጸት ናጽነት ኣብ መዕረፊኣ ከይበጽሐት እያ ዝተጨወየት” ብምባል ዝሰማማዕ ይመስለኒ።

ወደብ ቴድሮስ (EYSC)
24.03.2016 ጀረመን