ርብዒ ዘመን አብ ምድላይ ሓርነት

Solomon AssefawContributed Articles

EYSC-Editorial

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሓምሳታት ጀሚሩ እዩ ትርጉም ናጽነትን ሓርነትን ፈሊጡ ክቃለስ ዝጀመረ። ንአብነት አብ 05 መስከረም 1951 ዓ.ም አብ ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ ብሓርበኛ አቦና ወልደአብ ወልደ ማርያም ብዛዕባ ትርጉም ሓርነት ዝተጻሕፈ እስኪ ንመልከት።  “ሃገር ናይ ህዝቢ ሂወት እያ፡ ሃገር ዘይብሉ ህዝቢ ሂወት የብሉን፡፡ ሓደ ሰብ ወይ ከኣ ሓደ ህዝቢ ምንም እኳ ሃገር እንተሃለዎ፡ ብሓርነት ካብ ዘይነብርስ እታ ሃገር እንታይ ምጠቐመቶ? ኣብቲ ሃገር ሓርነት እንተዘይሃለዎስ፡ ሃገር የብሉን ማለት እዩሞ፡ እቲ ህዝቢ ብቐንድኡ ሂወት የብሉን ማለት እዩ፡፡” ብምባል ትርጉም ናይ ሓርነት እንታይ ከም ዘጠቓልል ብብርዒ ወልወል ተጻሒፉ ንረኽቦ።

እቲ ዘገርም ሓርበኛ አቦና ወልደአብ ወልደማርያም አብቲ ጋዜጣ ፍልልይ ናይ ናጽነትን ሓርነትን እንታይ ምዃኑ ብኸምዚ ዝስዕብ ብግልጺ እዮም አቐሚጦሞ። “ክቡራት መንእሰይ ደቂ ኤርትራ፡ ንሓርነት ድለይዋ ፡ ደሊኹም ርኸብዋ፡ ብዝረኸብኩማ  ከቶ አይትስደድዋ፡ መሎኮታዊት ቅያ እያሞ ስገዱላ። ሐደ ሰብ ምእንቲ ሃገሩ ተዋጊኡ፡ ተጋዲሉ ሞይቱ ክብሃል እንከሎ ምእንቲ ሓርነት ማለት ዶ ኣይኮነን? እወ!  ሓርነት ክሳብ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ደም ዝፈሶ፡ምእንቲ ሓንቲ ሃገር ዝግባእ ውግእን ገድልን ትሕጃ ወይ ውዕል እያ። ሓርነት ኣንጻር ባርነት እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኤን ካልእ መንገዲ የልቦን። ሓርነት ዘይብሉ ወይስ ሓራ ዘይወጸ ሰብ ገና ኣብ ባርነት ዘሎ ሰብ ማለት እዩ። እቲ ናጽነት ዝደሊ ሰብ እቲ ሓርነት ዝደሊ ሰብ እዩ። ናጽነት ዝደሊ ሓርነት ግን ዘይደሊ፡ ወይ’ውን ግዲ ናጽነት ድኣምበር ግዲ ሓርነት ዘይብሉ ሰብ ናጽነት ዝደሊ ወዲ ናጽነት ክብሃል ከቶ ኣይከኣልን፡ አይግባእን ከኣ። ናጽነትን ሓርነትን ዘይብሉ ህዝቢ ሃገር የብሉን፡፡”

እምበአርከስ ካብዚ ከም እንርድኦ ቀዳሞት ሓርበኛታት ኤርትራ ውሕጅ ከይመጸ መገዲ ውሕጅ ጽረግ ከምዝበሃል አብ ሃገርና ናጽነት በይኑ ብዘይ ሓርነት ፋይዳ ከምዘይብሉ ሚሂሮምና እዮም ሓሊፎም። ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን አንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ተቓሊሱ ናጽነቱ ጨቢጡ። ናጽነት ግና ብዘይ ሓርነት ምንም ፋይዳ ከምዘይብሉ ኩሉ ኤርትራዊ ተረዲእዎስ አብ ዝሓፈ አስታት ርብዒ ዘመን ንሓርነት ይቃለስን ሃንቀው ኢሉ ይጽበይን አሎ።

ዝተቓለሰ ህዝቢ ይንዋሕ ይሕጸር ይዕወት ከምዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ መዓልቲ ሓርነቱ ከም ዝጭብጥ ምንም ዘማትእ የልቦን። እዚ ብትዕቢት ንሃገርና ዘባድም ንህዝብና ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ነበረ ያ ነበረ ከምዝኸውን ምንም ዘጠራጥር አይኮነን። ነዚ ስርዓት ሳቦያ ኢልካ ኪኖ ሓጹር ናይ ምስንዳዉ ሓላፍነት ግና ናይ ነፍሲ ወከፍና ደቂ ሃገር ዕዳ እዩ። አብ ውሽጢ ሃገር ንሃሉ አብ ስደት ኢደይ ኢድካ ኢልና ከም ተመን ዕዳጋ ቅልጽምና ነዕልበሉ። ዲክታቶራት ሓርነት ህዝቢ ገቢቶም ስጋብ ጊዜኦም ትአክል ጎባልል ናይ ምምሳል ባህርይ አለዎም። ህዝቢ ግና ሓንሳብ እምቢ ንሓርነተይ ኢሉ እንተ ተንሲኡ ምንም ዓጋቲ የብሉን። እታ ሰዓት እንድሕር መጺአ ድማ እዚ ንህዝብና ብንዕቀትን አሽካዕላልን ዝጭፍልቕ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዝሕዞን ዝጭብጦን ከም ዝጠፍኦ ፍሉጥ እዩ።

ከምቲ ናጽነትና ክንረክብ ከለና ፍሽኽ ኢልና ብሓጎስ ዕልልታን ዳንኬራን ዝተቐበልናያ፡ ሓርነትና እውን ብኸምኡ መልክዕ ክንቅበላ ተሪፉና ዘሎ ጊዜ ርሑቕ አይኮነን። ሽዕኡ እዩ ድማ እቲ ናይ ዘመናት ራእይ ሓርበኛታት አቦታትና ወልደአብ ወልደማርያምን ብጾቱን ጋህዲ ዝኸውን። ሓርነት ምስ ዝህሉ ሓሳብካ ብነጻ ትገልጽ፡ ብሰላም ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ትንቀሳቐስ፡ ናጽነት ናይ እምነት ይህልወካ፡ መራሕትኻ ናይ ምምራጽን ናይ ምውራድን መሰል ትውንን፡ ናጻን ፍትሓውያን አብያተ ፍርዲ ንህዝቢ የገልግላ፡ ዜጋታት ዕድል ናይ ትምህርትን ሕክምናን ይረኽቡ ኮታስ ካብ ባርነት ሓራ ትውጽእ።

ህዝብና ነዚ ሓርነት እዩ ናፊቕዎ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ዓለም ዘደነቐ መስተንክር ሰሪሑ ካብ አርዑት መግዛእቲ ናጻ ዝወጸ ናይ ገዛእ ርእሱ ባንዴራ ወይ ሃገራዊ መዝሙር ክህልዎ ጥራይ አይነበረን። የግዳስ ናጽነትን ሓርነትን ዝሰፈና ብልዕልና ሕጊ እትመሓደር ሉአላዊት ሃገር ንኽትህልዎ እዩ። ናጽነትና አንጻር ገዚፍ ጸላኢ ምስ ዓለማውያን ጎባልል ሓገዝቱ ገጢማና ኢና አረጋጊጽናዮ። አንጻር እዚ ብዓለምና ተፈንፊኑ ዘሎ ምንም ናይ ደገ ደገፍ ዘይብሉ አብ ድኻምና ዕድመ ስልጣኑ ዘናዉሕ ዘሎ ስርዓት ብሓደ ድምጺ እንድሕር ተላዒልና ምንም ክዓግተና ዝኽእል ሓይሊ የልቦን።

እዛ አማኢት አሽሓት ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን ናጻ ዘውጽእዋ ሃገር አብ ጊዜና መጻወቲ ዉሑዳት ክትከውን ከንፍቅድ የብልናን። ስደት አብቂዑ ኤርትራዊ አብ ሃገሩ ብፍቕርን ሰላምን መታን ክነብር መኸተና ነሐይሎ። ዉሉድን ወላድን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ክተሓቛቖፉን ክሰዓዓሙን መታን ንምሕደራ ውልቀ ምልኪ ወጊድ ንበሎ። ሽዑ እዩ ድማ ንብዓት ወላዲት ጸረር ካብ ምባል ደው ዘብል። ሃገራዊ ጸጋታትና ነቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ክምለሰሉ እዩ፡ ወነንቲ መሬትናን ባሕርናን ኢና ክንብል ክንበቅዕ ኢና፡፡ ኤርትራ ድማ ካብ ምድራዊት ሲኦል ናብ ምድራዊት ገነት እትቕየር ሽዕኡ እዩ። ኤረና ንሎም ዘመን እምበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም።

ሰሎሙን ገብረእየሱስ (EYSC)
ኦክላንድ – ካሊፎርንያ