ባጤራ ናቕፋ ብምሕደራ ናቕፋ

Solomon AssefawContributed Articles

nakfa

ናቕፋ ትእምርቲ መስዋእትንን ተወፋይነትን፡ ዕርዲ መኸተን ጽንዓትን፡ መዝገብ ቅያን ጅግንንነትን ምዃና ክንገረን ክትረኽን ወትሩ ብእዝንና እንሰምዖ ጉዳይ እዩ። እዚ እቲ እንሕበነሉ አወንታዊ ሸነኽ ታሪኽ አውራጃ ሳሕልን ከተማ ናቕፋን እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጎኒ ጎኒ እዚ እንምክሓሉ ታሪኻዊ ብረታዊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ግና ሓደ ክንክሕዶ ዘይግባእ ምስ ሳሕልን ስርዓተ ምሕደራ ናቕፋን ጸሊም ሕላገት ታሪኽ ከም ዘሎ እውን ምግንዛብ የድልይ። እዚ ድማ ነቲ ጹቡቓ ንጎድኒ ገዲፍካ ናቕፋ ናይ ጥፍአትን ሽፍትነትን ዕርዲ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ብፍላይ ድማ ናይዚ ግብረ እከይ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ አፈወርቂ ምንባራ ዝከሓድ አይኮነን።

ሕጂ አብ መዛግብቲ ታሪኽ ዝስነዱ ዘለው አብ ናቕፋ ዝተገብሩ ቅንጸላ፡ ዓፈናን ጭውያን ደቂ ሃገር ንድሕሪት ተመሊስካ እንክትምርምር፤ ናቕፋ ዝብል ስም እንክጽዋዕ አብ ቅድሜኻ ቅጅል ዝብለካ እቲ ብጭካኔ ኢሰያስን ጉጅልኡን ደመ ከልብ ኮይኑ ዝተኻዕወ ንጹህ ደም ኤርትራውያን ደቀባት እዩ። ካብዚ ተበጊሰ እየ ድማ ነዚ ኩሉ አብ ጎቦታት ሳሕል ዝተፈጸሙ ሰብአውነት ዝጎደሎም አረሜናዊ ግፍዕታት፤ ምሕደራ ናቕፋ ዝብል ስያሜ ክህቦም ዝመረጽኩ። አብ ምሕደራ ናቕፋ አኽባር ሕጊ እምበር ጠበቓ ዝብሉዎ አይነበረን፤ አብ ምሕደራ ናቕፋ ከሳሲ ኢሰያስ ተኸሳሲ ሙሉእ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፤ አብ ምሕደራ ናቕፋ ፈራዲ ኢሰያስ ፍርዶም ዝቕበሉ ድማ መሳኪን ኤርትራውያን፤ አብ ምሕደራ ናቕፋ አፈጸምቲ ፍርዲ ኢሰያስ ኤርትራውያን ኮይኖም ኣብ ልዕሊ የሕዋቶም ኣሓቶምን ቅትለትን ዓፈናን ይፍጽሙ ኔሮም።

እምበአርከስ እዚ አብ ዓድና ዘሎ ስርዓተ ምሕደራ አብ 1991 ዓ.ም ንምዃኑ እዩ ካብ ናቕፋ ናብ አስመራ ጊዒዙ እምበር እቲ ሽፍታዊ ምሕደራ ብልዕልና ሕጊ አይተቐየረን ወይ አይትተከአን ስጋብ እዛ ሕጂ እዋን እቲ ምሕደራ ናቕፋ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። አፈ ጮለታት ህግደፍ “ሳሕል ከም ሃገር፡ ህዝባዊ ግንባር ከም መንግስቲ” ዝብል ዲስኩር ክወቕዑ ዘይሰማዕና አይኮናን። እቲ ክኸውን ዝነበሮ ግና “ሳሕል ከም ጫካ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ድማ ከም ሽፍታ” ተባሂሉ እዩ ክእረም ኔርዎ። ታሪኽ ገድልን ጅግንነትን ህዝቢ ኤርትራ ምስ እዚ አብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ምሕደራ ናቕፋ ምንም ዘተሓሕዝ የብሉን። መስዋእትን ስንክልናን ጀጋኑና መታን ከይራኸስ ካብዚ ምሕደራ ናቕፋ ኩሉ ጊዜ ክንፈልዮ ይግበአና፤ ከመይሲ እቲ ብቕንዕና ዝተፈጸመ ገድልን መስገደልን ህዝቢ ኤርትራ ምስቶም አብ ድሕሪ መጋረጃ ብኢሰያስን ብጾቱን ዝተገብሩ ቅንጸላን ዓፈናን ዘቋርን ናይ ሓባር ረቛሒ ስለዘይብሎም።

እዚ ሽፍታዊ ምሕደራ ናቕፋ እዩ እምበአር፤ ነቲ ንመቀናጀዊ ተባሂሉ ናቕፋ ዝብል ስያሜ ዝተዋህቦ ባጤራ ኤርትራ ዘመሓድሮ ዘሎ። ሕጂ ንምንታይ አርእስቲ ጹሑፈይ ባጤራ ናቕፋ ብምሕደራ ናቕፋ ከም ዝበልክዎ አትሓሕዝ ዘበልኩኹም ኮይኑ ይስመዓኒ። ኢሰያስ አፈወርቂ ባዕሉ ንባዕሉ ብዝገብሮ ምርጫ ፕረሲደንት ሃገር ኤርትራ ኮይኑ፤ አስዒቡ ንባዕሉ ብዝሃቦ ማዕርግ ላዕለዋይ አዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኢየ ኢሉና፤ ቀጺሉ ቢኢደ ዋኒኑ አቦ መንበር ባይቶ ኾይኑ ኩድጭ ኢሉ አብ ርእስና፤ ንሱ መዓስ አኺልዎ ንኹሉ ማዕርጋት ማለት ቻንስለር ዩኒቨርሲቲ አስመራ፤ አማሓዳሪ ዲጋ ዓዲ ሃሎ፤ ቡሉጽ መካኒክ ዓሻ ጎልጎል ድሕሪ ምዃን አብዘን ዝሓለፋ ቅንያት ድማ አመሓዳሪ ባንኪ ኤርትራ እየ ይብለና አሎ። እንታይ ክንብል ሕራይ ይኹነልካ ምስ ተባህለ፤ ምሕደራ ባጤራ ግዲ ጠፊእዎ ወይስ ፋሕ ኢሉዎ ኮይኑ፤ ገንዘብ ህዝቢ ሃጊሩ ኮር ተገልበጥ ብዝዓይነቱ ገንዘብኩም ብሓረጣ ተታሒዙ እዩ ዝብል አዋጅ አስሚዑና።

ገንዘብ አምጽእዎ ክቕይረልኩም፤ ጽንሕ ኢሉ ገንዘብኩም ካብ ባንኪ ከተውጽኡ እኹል ምክንያት ሒዝኩም ምጹ፤ ሕጂ ድማ ሕሉፍ ሓሊፍዎ ካብ 3000 ናቕፋ ንላዕሊ ሒዙ ዝተረኽበ ኣብአ ይረኽባ ክብል የፈራራሕ አሎ። ኢሰያስ ህዝባዊ ሓይልታት ካብ እትፍለ ጀሚሩ ገንዘብን ንብረት ውድብ አብ ቁጽጽሩ አእትይዎ እዩ። ነዚ ዝገበረ ሓይሊ ገንዘብ ኣብ ውዲት ምልከት አገዳስነቱ ብአግኡ ስለዝተገንዘበ እዩ። ካብቲ ዘለዎ ሓያል ተሞክሮ ስልጣንን ምልክን እዩ ድማ ሕጂ ብዘይካይ ማንም ክህብትምን ርእሰማል ክውንን አየፍቅድን ዝብል ዘሎ። ኢሰያስ ኩሉ ጊዜ አቐዲሙ ዝሓልፍ መንደላይ ተመን ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ኢሰያስ ከምቲ ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ዝተባህለ፤ አክንዲ ነቲ ሳዕቤን ነቲ ጠንቂ ናይ ምእላይ በሊሕ ክእለት ዘለዎ ሰብ እዩ። እዚ አብዚ ቀረባ እዋን ጀሚርዎ ዘሎ ባጤራን ሃብት ሃገርን ናይ ምግባት ፉሉይ ስርሒት ነቲ እንኮ ክፍጠር ዝኽእል ቁጠባዊ ፋሉሉነት ክፈጥሮ ዝኽእል ናይ ለውጢ ተስፋ ንምኹላፉ ዝተወስደ ቅድመ ጥንቃቐ እዩ።

ኢሰያስ ንኤርትራውያን አውፈርቲ ነጋዶ ፋሕ ጭንግራሕ አእትዩሎም ፍቖዶ ጁባ-ደቡብ ሱዳን፡ ካምፓላ-ኡጋንዳ፡ ናይሮቢ-ኬንያ፡ ኪጋሊ-ሩዋንዳ፡ አዲስ-ኢትዮጵያ፡ አንጎላን ደቡብ አፍሪቃን ተዘርዮም አለው። እዞም አውፈርቲ ሃገሮም ከየማዕብሉ ሸቂሎም ዓዲ እንዳማቶም የልምዑ አለው። ነቶም ቁሩብ ቁራቦ ዝተረፉ ድማ ሕጂ ብገዛእ ገንዘቦም ሃጊሩ ብኢዶምን እግሮምን ረጊጡ ሒዝዎም አሎ። ነጋዳይ ዘይብላ ሃገርን ኣብ ታኼላ ዝተሰረተት ቤትን ውዒለን ሓዲረን ቁልቁል እየን ዝንቆታ። ኤርትራ ሃገርና እውን እዚ መንገዲ ጥፍአት እያ ሒዛ እትርከብ። ሓደ ሓደ ጉሩሃት እዚ ናይ ኢሰያስ ሽርሒ ንሰብ ርእሰ ማል ነጋዶ ጥራይ ዘነጻጸረ ዝመስሎም አለው። እቲ ሓቂ ግና ንሱ አይኮነን። ከምቲ ቁሪ ናበይ ደሊኻ ምስ በልዎ ናብ ኩዱናት፤ እቶም ዕሩቓትከ ኢሎም ደጊሞም ምስ ሓተትዎ ንሶም ደአ ቱሑዛት እንድዮም ዝበሎ፤ ኢሰያስ እውን እዚ ብሃብታማት ነጋዶ አምሲሉ ዝጀመሮ ቁጠባዊ ማሕነቕቲ ጽባሕ ንግሆ ቀንዲ ናይ ምረቱ ግዳይ እቲ ድኻን በተኽን ክፋል ህዝብና እዩ።

ፈላሊኻ ግዛእ ውጥን ኢሰያስ እዞም ነጋዶ ጸጊቦም ብልሽውና ሳዕሪሩ እንዳበለ ሓላይ ሓፋሽ ክመስል ይጽዕር አሎ። እዚ ግና ሓቅነት ዘይብሉ እከይ ተጋብር ህዝቢ ምስ ህዝቢ እንዳናቖትካ ዕድመ ስልጣንካ ንምንዋሕ ዝግበር ተዋስኦ ምዃኑ ነጋሪ ዘድልዮ አይኮነን። እቶም በተን ካብ መንግስቲ ዝረኽቡወን ቁሩብ ቁራቦ ደሞዝ እትመሓደሩ ሰራዊትን ሰራሕተኛታትን ጊዜአዊ ናይ ትልኽ ትንፋስ ክሰኹዑ ትኽእሉ ኢኹም፤ እዚ ግና ነቶም ነጋዶን አውፈርትን አላሽ አቢሉ ስጋብ ዘድክሞም እዩ እምበር ድሒሩስ ንዓኹም ሰብ ቁሩብ ቁራቦ ደሞዝተኛታት እውን ከረኻኽበልኩም ምዃኑ አይትዘንግዑ። አመንዝራነት ፖለቲካ ኢሰያስን ምሕደራ ናቕፋን ንርብዒ ዘመን ዘደናገሩና ይአክል። ሕጂ’ውን እንተኾነ እቲ እንኮ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ምዕሩይ ካብ ቀይዲ በተኽ ምትእእትታው መንግስቲ ናጻ ዝኾነ ምምሕዳር ባጤራን፡ ምዕሩይ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ከሙ’ውን ሕጋውነት ዝተላበሰ ቁጠባዊ ፖሊሲ ምዃኑ ክንርዕመሉ ይግባእ።

እንተዘይልቦ ንባጤራ ናቕፋ ብዘይ ምንም ሕጋውነት ብምሕደራ ናቕፋ ስለ ዝሃገርካ፤ ወይ ዋጋ ሃለኽቲ ብዘይ ርትዓውነት እንተጎደለ፤ እንትርፎ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ካልእ ዝመጽእ ምንም ዓይነት ቁጠባዊ ተአምር አይክህሉን እዩ። ኢሰያስ መነባብሮ ህዝቢ ክመሓየሽ ብሓቂ ዝደልይ እንድሕር ኮይኑ ነቲ አስታት 750 ሚልዮን ዶላር ካብ ዕደና ቢሻ ዝረኸቦ አታዊ ናብ መዓላ ህዝቢ ከውዕሎ ምስተገብኤ እምበር ንባጤራ ናቕፋ ምህጋርስ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

ሰሎሙን ገብረእየሱስ (EYSC)

ኦክላንድ ካሊፎርንያ 

19 የካቲት 2016 ዓ.ም