ንጥፍአት ብጽንዓት (ካልአይ ክፋል)

Solomon AssefawContributed Articles, Expose PFDJ, Featured

cliff

         

         ኤርትራ ከም ሃገር ንዘንተ እለት ክትህሉው’ያ ጠፊአ አይክትጠፈን እያ። እንታይ ደአ እቲ አብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝወርድ ጥፍአት ብቐሊሉ ዘይሓዊ በሰላ ክገድፍ ተኽእሎ አሎ። ሓንቲ ሃገር ዓማጺ ወይ መላኺ መራሒ ስለ ዝሓዘት ጠፊአ ትተርፍ ማለት አይኮነን። ሓንቲ ሃገር ናብ ክትሓውየሉ ዘይትኽእል ጥፍአት እትወድቕ እኩብ ድምር ናይ ዜጋታታ አበርክቶ ረቢሑ ጥፍአት ምስ ዝኸውን እዩ። ካብዚ ተበጊስና እምበአር ጭፍራ ህግደፍን መራሒኦምን ንጥፍአት ኤርትራ ካብ መረጹ፤ እቲ አስቂጡ ዘሎ ኣብዝሓ ህዝብና ኮነ እቲ ንለውጢ እቃለስ አለኹ ዝብል ክፋል ሕብረተሰብና አካል ድሕነት ዶስ ዋላስ መወሰኽታ ጥፍአት ኢልካ ክትመምይ ግድነት ይኸውን።

           ኩሉ ዜጋ ሓንቲ ሃገር ነቲ ቃልሲ ብማዕረ ክሳተፎ እዩ ኢልካ ምጽባይ የዋህነት እዩ። ቃልሲ መሪር አሰልቻውን ነዊሕን ክኸውን ስለ ዝኽእል ተሳታፍነት ህዝቢ እውን ብመንጽሩ እዩ። ነዚ አሚንካ ነቲ ቃልሲ ምስ እትአትዎ ፈጺምካ ተስፋ አይትቖርጽን፤ እንተዘይኮይኑ ቃልሲ ከም አባልዓ እንጀራ መሲሉካ ወይ’ውን ዓወት አብታ ኩርናዕ ኢያ እትህሉ ብዝዓይነቱ ዘሊልካ ጦምቦላሕ ኢልካ እንተ አቲኻዮ ብዝኾነን ዘይኮነን ቀልጢፍካ ተስፋ ክትቖርጽ ትኽእል። አብዚ ሎሚ ቕነ ህግደፍ አብ ሙሉእ ዓለም ጓይላን ዳንኬራን አዳልዩ ካብ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝሓሸ ፈንጠርጠር ምስ በለ ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ተስፋ ሙቕራጽ ስሚዒት ክራአዮምን ቃላት ከምሉቕን ትሰምዖም። እዚ ስሚዒት እዚ ባህርያዊ ምስ ብቕዓትን ተሞክሮን ደቂ ሰባት ዝፋላለ ተርእዮ ስለዝኾነ ከም ንቡር መስርህ ቃልሲ ክንወስዶን ነቶም ከምኡ ሲሚዒታት ዝሓደሮም ብጾትና ከነረጋግኦምን ከነበራትዖምን ይግበአና።

           እዞም አብ ዳስ ህግደፍ ከም ናይ መስቀል ዑፍ ሎሚ ዘመን ዝተቐላቐሉ መንደልሓቕቲ፡ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ቃልሲ ውጹዓት ፉሕ ፉሕ ኢሉ ተዋዓዊዒሉ አብ ዝነበረሉ እዋን ሕብኡኒ ሕብኡኒ ኢሎም ናብ ውሻጠ አትዮም ዝነበሩ፤ ስርዓት ኢሰያስ ዘኽተመ መሲሉዎም አነኮ ቀምሽ አደይ’ዩ ዓንቂፉኒ እምበር ደላይ ለውጢ እየ ክብሉ ዝተሰምዑ፤ ሕጂ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ አብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ሓድሕዳዊ ክርፍስ ክዳኸም ይርእይዎ ስለ ዘለው ናብ እንዳ ህግደፍ ትፋኦም ከልምጹ ዝተመልሱ ብወዶ ገባ ዝምሰሉ ብድምቀት ድምጺ ከበሮ መርገጺኦም ዝለዋወጥ ሽዩጣት ሕልና እዮም። እቲ ዘገርም ዝተአከቡ እንተተአከቡ ዝበዝሑ እንተበዝሑ ድላዮም ዓይነት ዳንኬራን ፈንጠዝያን እንተገበሩ ክውንነት ኤርትራ ክቕይሩን አብ ቅድሚ ሓቂ ደው ክብሉን ከትክሉን አይኽእሉን እዮም። ስለዝኾነ እዩ ድማ ንዓና ደለይቲ ለውጢ ሓቀኛ ቃልሲ ዘድልየና፤ መታን ጉዳይና ወጮ እንተገልበጥካዮስ ወጮ ኮይኑ ከይተርፍ።

           ብዛዕባ ህግደፍ ጺሒፍካን ተዛሪብካን ዝውዳእ አይኮነን ከምቲ ”ዘይሰምዓካ ደብሪ አይትማህለል ዝበልዎ” ብዙሕ ትርጉም አለዎ እውን አይብልን። ህግደፍ ዝመስሎን የቐንየኒ እዩ ዝበሎን ክገብር እንከሎ ንሕና ደለይቲ ለውጢኸ እንታይ ንገብር አሎና ? ንቕድሚት ዶ ንግስግስ አለና ዋላስ ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ? ዓሚ አብ ከመይ ደረጃ ኔርና ሕጂኸ አብ ከመይ አለና ? ነዛ ናይ ርድኡኒ አውያት እተቃልሕ ዘላ ሃገር ንፍውሳ ዶ አለና ዋላስ አብ ርእሲ ቃንዛ ተደራቢ ቃንዛ ንውስኸላ ? ጠንቂ እዚ ኹሉ ጸገማት ከ እንታይ እዩ ? ጸገማት ካብ ሃለወኸ ንምንታይ ተሓታትነት ዘይህሉ ? ዓገብ ክብል ዝኽእል ትብዓት አብ ደምበ ደለይቲ ለውጢኸ አሎዶ፡ ዋላስ እዚ ደምበና’ውን ብ ንኺድ ጥራይ እዩ ዝዝወር ? ዝብሉ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ክወሃቦም ይግባእ። አብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ነቐፌታ ኮነ ነብሰ ነቐፌታ ንዘቕረበ አክንዲ ጉቡእ ግብረ መልሲ ዝውሃቦ ከም ተቓዋማይ ናይ ተቓወምቲ ዝብል ስያመ እንዳሃብካ ስም ተቓለስቲ ምብላል ስጋብ መዓስ እዩ ከኺደና።

           ካብዚ ተበጊሰ እምበአርከስ ሓደ ሓደ ትዕዝብቲታተይ ከቕርብ ክፍትን። አብዛ ዝሓለፈት ሰሙን ደለይቲ ለውጢ አብ ሙሉእ ዓለም ንበዓል ናጽነት ብዳንኬራን ጓይላን አይንጽንብሎን ኢና፤ እንታይ ደአ ብዘተን ልዝብን ኢና ክነሕልፎ ኢሎም አብ ሓደ ሓደ ከተማታት ናይ ሰሚናር ዘተ ከምኡ’ውን ነቶም ግዳያት ናይ ሓዘን ዝኽርን ናይ ሽምዓ መደባትን ከምዘዳለው ተዓዚብና። እታ ቀዳማይቲ ናብ አእምሮኻ እትመጽእ ሕቶ ብሓቂ ነቶም ገጾም ከማን እንታይ ይመስሉ ዘይረአናዮም አብ ባሕሪ መዲተራንያን ዝተቐዝፉ፤ እሞ ኸአ ሰሊጥዎም እንተዝሰግሩ ደገፍቲ ህግደፍ ኮይኖም አብ ዳስ ህግደፍ ድዮም ከዳኽሩ ወይስ ምሳና ደምበ ደለይቲ ለውጢ ክውግኑ ዘይንፈልጦም ጥሒሎም ኢሉ ዝሓዝን ቦቕባቕ ርህሩህ ከብዲ ብሓቂ አለና ዲዩ ? እንድዒ እዩ እቲ መልሲ። ከመይሲ ንሓደ ደላይ ፍትሒ ጊዜኡ፡ ጉልበቱን ገንዘቡን አወፍዩ ካብ ገባቲ መንግስቲ ህግደፍ ክረኽቦ ንዝኽእል አገልግሎት ተሓሲሙ አብ ጎድንና ደው ኢሉ ግንባሩ ሂቡ ዝቃለስ ሰብ፤ ካብቲ ህግደፍ ዝጥቀመሉ ሜላ ብዘይፍለ ብጸለመን ጠቐነን ክንቅንጽል ወጊሑ እንዳዓረበና፤ ብሞት ዘይንፈልጦም ዜጋታት ዝሓዝን ከስዒ ኣለና ኢልና መደባት ከንዳሉስ ትርጉም ይህልዎዶ ? እወ ኩልና ተቓለስቲ ኢና እንብል ንነብስና ክንወከሳ ይግባእ።

         ናይ ዘተ መደባት አዳሊና ካብ 40,000 ስጋብ 50,000 ኤርትራዊ አብ ዝነብረሉ ከባቢ፤ ካብ 25 ስጋብ 35 ዘይበዝሑ ሰባት እንተዘይኮይኑ ካብኡ ንላዕሊ ተጋባእቲ ክንእክብ ከምዘይንኽእል ነስተብህል ዶ አለና። ሰላማዊ ሰልፊ ወዲብና ካብ 300 ስጋብ 400 ሰባት ብቐሊሉ ነሳትፍ ዝነበርና እንታይ ደአ ተረኽበ ሕጂ፤ “አያየ በጃኻ ጎርጉራ ጁባኻ፡ አያይ ወርቂ ሰዓቱ ኦፔል መዛወሪቱ” ዝብሉ እኩባት ህጻውንቲ ናይ ሓንቲ ገዛውቲ ክንመስል ካብ 30 ወይ 40 ዘይበዝሑ ሰባት ሒዝና ተረፊና። ሱቕ ኢልና ካብ ምህውታት ፋይዳ ስለ ዘይርከብ ሕማማትና ደአ ንመርምር እምበር ጉዕዞ ንኺድ ጥራይ ደአ አንኳይ ዶ ንዓና ሰራዊት ኮነ ንዋት ዘይብልናስ ነቲ ሽሾ ሰራዊትን ንዋትን ሃገር ገቢቱ ዘሎ ህግደፍ እኳ ኣይጠቐሞን።

         ህዝባዊ ቃልሲ ንኩነታቱ ብዕምቆት ክምርምርን ክፍትሽን፤ እንድሕር ጸገማት አጋጢሙ’ውን ነቲ ወሪዱ ዝበሎ ጉድለት ክእርምን ከስተኻኽልን እንድሕር ዘይኪኢሉ ብምንም ተአምር ስድሪ’ውን ትኹን ንቕድሚት ክስጉም አይክእልን እዩ። አብ ሓደ እዋን ቃልሲ ጊዜያዊ ዓወት ከተምዝግብ ይከአል እኳ እንተኾነ ዘላቒ ሓርነት ከትጭብጥ ግና ቀሊል አይኮነን። እዚ አብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ አብነታት ድማ ሳዕቤን ናይቲ እንኽተሎ ዘለና ዝንቡዕ ጉዕዞ እምበር ጠንቂ አይኮነን። እምበአርከስ ካብዚ ተበጊስካ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ምቅላሱ ካብ ዘይተረፎ፤ አበርክትኡ አብ ምድሓን ሃገር ንምንታይ ከምቲ ዝድለይ ዘይከውን ክትብል ትግደድ። ነዚ አገዳስን ሕመረት ዓወትናን ዝኾነ ሕቶ ንምምላስ ነቶም መሰረታውያን ጸገማት ንደምበ ደለይቲ ፍትሒ ፊሒት ምባል ከሊኦሞ ዘለው ነጥብታት ክትዝርዝር አገዳሲ ስለ ዝኾነ ድማ ተሞክሮይን ክውንነትን ተወኪሰ ነጥብታተይ ከቐምጥ። አብ ውልቃዊ ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ መሰል ተሪር እምነት ኣሎኒ፤ ሓሳባተይ ናይ ግድን ምስ ሓሳባት ካልኦት ክሰማማዕ አይጽበይን ካልኦት እውን ንሱ ተረዲኡዎም ሓሳባተይ ናይ ምግላጽ መሰለይ ከኽብሩለይ ይጽበዮም። እንድሕር ነቲ አነ ዘቕርቦ ሓሳባት ዝብድህ ርእይቶ ኮነ ሓሳባት አለዎም ኮይኑ ብስልጡን መገዲ ክምልሱለይ የተባብዖም። ሰብ ካብ ሰብ እዩ ዝመሃር እሞ ካብ ወሃብቲ ርእይቶ ክመሃር ዘሎኒ ቁሩብነት ክገልጽ ይፈቱ። ብዝኾነ ነቶም ጠንቂ ዕንቅፋት ጉዕዞ ሓርነት ዝበልኩዎም ነጥብታት አብ ቀጻሊ ጹሑፈይ ከቕርቦም እየ።

ሰሎሙን ገብረእየሱስ

ኦክላንድ – ካሊፎርንያ