ህጹጽ ጻውዒት አብ የመን አብ ሓደገኛ ኩነታት ወዲቕም ንዘለው ዜጋታትና ንምሕጋዝ

EYSCContributed Articles, EYSC News, Featured

yemen

ኣብ የመን ተሰዲዶም ዘለዉ ኤርትራውያን ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ጻውዒት ርድኡና የቕርቡ ኣለዉ። ኤርትራዊ ዜጋ ብፍላይ እቲ ናይ ሃገር ዓንዲ ሕቖ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ፡ ካብታ ዘፍቅራ ዓዱ፡ ካብቶም ዝፈትዎም ወለዱን ደቁን ሃገር ተፈልዩ ሃገር ራሕሪሑ ክስደድ ካብ ዝጅምር እንሆ ዓመታት ኣቕጺሩ እዩ። ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣይሰላም ኣይኩናት መማሳመሲ ህግደፍ፡ ብዓቢኡ ሕሰም መነባብሮን፡ ከምድላዩ ብናጽነት ክዛወረላ ዝኽእል ሃገር ብዘይምህላውን ዘምጽኦ ሳዕቤን፡ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ሞት ኣብ ቅድሚኡ ከምዘሎ እንዳፈለጠ፡ ካብታ ዶብ ዝሰግረላ ጫፍ መሬት ኤርትራ ኣትሒዙ እዚ ዘይብሃል መስገደል ክሓልፍ እዋናት ሓሊፍዎ ኣሎ። ኣብ ሃገርካ መዓር እንኮለካ መዓር ከተናዲ ምኻድ ድኣ እንታይ ኣምጽኦ ዝብል ሕቶ መልሲ ክንረኽበሉ ስለእንግደድ፡ ህዝብና መዓር ዘይኮነ ሓርነት ከተንፍስን ናጻ ኮይኑ ንፋስ ዓለም ከስተማቕርን እዩ ዝስደድ ዘሎ ዝብል መልሲ ኮይኑ ንረኽቦ።

እምበኣርከስ ናብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ጽሑፈይ ክምለስ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ንኢትዮጵያ፡ ንጅቡቲ፡ ንሱዳን ንየመን ክሰግር ካብ ዝጅምር ውሑድ ዓመታት ኣይገበረን። ካብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት እታ ብኩናት ትናወጽ ዘላ የመን ኣብኣ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ልዕሊ 500 ዝኾኑ ናይ ርድኡና ኣውያቶም የስምዑ ኣለው ካብ ዝብሃል ውሑድ መዓልታት ኣይገበረን። እዞም መጽለሊ ቤት ዘይብሎም ኣብ ጎደናታት ቴንዳ ዘርጊሖም ዝነብሩ ዘለዉ እቲ ንፋስን ቁርን፡ ጥምየትን ማይ ጽምእን፡ ብዓቢኡ ድማ ኣገልግሎት ሕክምና ዘይብሎም ምዃኖም ከይኣክል ሕጂ ጠያይትን መዳፍዕን ብልዕሊኦም ከፋጺ እንዳሰምዑ መኸወሊ ዘይብሎም ንሞት ኣንቃዕሪሮም ይጽበይዋ ኣለው።
ኩለን ሃገራት ዜጋታተን ካብ የመን ንምውጻእ መራኽብን ነፈርትን እንዳሰደዳ ክጓየያ ኸለዋ እቲ ብዜጋታቱ ድምብርጽ ዘይብሎ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ግን ክሳብ ሕጂ ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን።

ስርዓት ኢሰያስ ካብታ ሃገር ንዝወጸ ሰብ 2% ካብ ሚእቲ ክኸፍልን ኣብ ጓይላታት ጸዊዑ ገንዘብ ክእክብን እንተዘይኮይኑ፡ ሽግር ኣብ ዘጋጥሞም እዋን ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ገይሩ ንጸገሞም ክሕግዝ ተራእዩ ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። እኳ ድኣ ከድዓት ሃገር ዝጠለሙ ብምባል ንኤርትራውነቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክብል እዩ ተሰሚዑ። ህያው ምስክር ናይዚ ኣብ ላምፓዱዛ ዝጠፍኡ ዜጋታትና ንኤርትራውነቶም ክሒዱ ከይኣኽሎ ሬስኦም’ዉን ኣብ ሃገሮም ኣትዩ ከይቅበር ብምኽልካል ወለዲ ክሳብ ሕጂ ብጓሂ ይሳቐዩ ኣለው። ስለዚ እቶም ብዜጋታትና ንግደስ ውልቀሰባት ንኹን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት እቲ ሽግር ሽግርና ስለዝኾነ ተሓጋጊዝና ካብዚ ኣትዮሞ ዘለው ዓዘቕቲ ንምውጻእን፡ ገሊአን ሃገራት ምስ ዜጋታቶም ክልክምኦምን፡ ንምድሓኖም ቆላሕታ ክገብራሎምን ጻዊዕትና ነቕርብ። ኣብ ዝሓጸረ ግዜ’ውን ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ንዓለም ኣውያትና ነስምዓሎም።

እቲ ዓቢ ሽግር ድማ ህግደፍ ዜጋታተይ እዮም ኢሉ ከውጽኦም እንተፈቲኑ እታ ትጽበዮም ከምቲ ልሙድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓን ዝኸድዑ ተባሂሎም ክሳቐዩን ክርሸኑንን ምዃኖም ዝተረጋገጸ ነገር እዩ። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝወጽሉን ናይ ስደተኛ ዑቕባ ዝረኽብሉን መንገዲ ኣብ ምፍጣር እጃምና ንግበር። ምስ’ዞም ኣብ የመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታትና ክንደይ ህጻናትን ነብሰ-ጾራትን ከምዘለዉ ኣይንረስዕ፡ ኩልና አብ መላዕ ዓለም እንርከብ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ኤርትራውያን ብዝተኻእለ መጠን ንምድሓኖም ንጓየይ። ነዚ ንምግባር ምስ ኪኢላታት ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላት እንዳተላዘብና፡ ንቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት አብ ው.ሕ.ሃ (UNHCR) አውያትና ነስምዓሎም።

ሰለሙን ተስፋማርያም ( ወዲ መሬት )
ካብ ሆላንድ